ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብፂ ንኢትዮዽያ ክኸስስ‘የ ትብል፣ግን በየናይ ባይታ? ይብሉ ሓደ ሙሁር


ግድብ ህዳሴ ኢትዮዽያ
ግድብ ህዳሴ ኢትዮዽያ
ኢትዮዽያን ግብፂን ብጉዳይ ኣባይ ከካይድዎ ዝፀንሑ ልዝብ ኣብ ዕፁው መንገዲ ከምዝበፅሐ ፀብፃባት ሓቢሮም‘ዮም።ኣብ‘ዚ ጉዳይ‘ዚ ንባዓል ስልጣን ሃብቲ ማይ ግብፂ ጠቂሱ ዝፀሓፈት ጋዜጣ ግብፂ፣ካይሮ እቲ ምስሕሓብ ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ክወስዶ‘የ ከምዝበለት ይጠቅስ።

ኣብ ኮሌጅ መሰልጠኒ መምህራን ኮተቤ ኣዲስ ኣበባ ሓላፊ ክፍሊ ጂኦግራፊን ተሓጋጋዚ ፕሮፈሰርን ኣቶ ብርሃኑ በላቸው ግና፣እዚ ፅቡቅ ምዕባለ‘ዩ፣ማዕፆ ዓፂኻ ካብ ምፍርራሕን ካብ ምጉብዕባዕን ተመራፃይ‘ዩ” ይብሉ።

ንሶም ወሲኾም ”ከም‘ቲ ግቡእ፣ኢትዮዽያ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ እንተትወስዶ እዩ ተመራፃይ ነይሩ።ምኽንያቱ መራሕቲ ግብፂ ኣብ ኣደባባይን ብግልፂን ንኢትዮዽያ ክንሕምሳ ኢና፣ኣድላዪ እንተኾይኑ‘ውን ብነፈርቲ ክንድብድባ ኢና እናተባሃለ ምፍርራሕ ዝተቃለሐሉ ኩነታት ስለዘሎ ንሕና ናብ ቤት ፍርዲ እንተንኸይድ መምሐረልና“ይብሉ ኣቶ ብርሃኑ።

ኣብ‘ዚ ዝሓለፈ ሰሙን ዝፀደቀ ሓድሽ ሕገ-መንግስቲ ግብፂ ዋንነትን ኣጠቃቅማን ማይ ናይል/ኣባይ ከም‘ቲ ዝፀንሖ ክቅፅል ኣለዎ ዝብል ዓንቀፅ ዝሓዘ‘ዩ።

ኣቶ ብርሃኑ በላቸው ”ግብፃውያን ካብ መግዛእቲ ናፃ ወፂና ኢና እናበሉ ተገልቢጦም ብመግዛእታዊ ሕጊታት ክንማሓደር ይግባእ ክብሉ ከለው ከምመጠን ፖለቲከኛታት ክሓፍሩ‘ዩ ዝግባኦም“ ዝብል መልሲ ይህቡ።
ንሙሉእ ሪፖርት ኣዳምፁ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:54 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG