ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

’ንምጥንኻር ርክብ ኢትዮዽያን ግብፅን ተበጊስና‘ለና’ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ


 ሃይለማርያምን ኣል-ሲሲን
ሃይለማርያምን ኣል-ሲሲን

መራሕቲ ኢትዮዽያን ግብፅን ንሰናይ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ተበጊሶም ከምዘለው ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ገሊፆም።

ብዘይካ‘ዚ፣ግብፂ ንዕርቂ ኢትዮዽያን ኤርትራን ተንቀሳቂሳ እንተኾይና ኣዝዩ ዝናኣድ‘ዩ ኢሎም ኣምባሳደር ሄርማን ኮሀን።

ዝምድና ኢትዮዽያን ግብፅን ነዊሕ ዘበናት ዘቁፀረ ምኳኑ ዝገልፁ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ነቲ ዝፀንሐና ርክብ ንምጥንኻር ድልየትና‘ዩ ኢሎም።

ካብ ርሑቅ ኮይኑ ብተላኣኣኽቱ ኣቢሉ ንኢትዮዽያ ንምህዋኽ ዝተበገሰ ሓይሊ ከምመንግስታት ሙባረክን ሙርሲን ክፈሽል‘ዩ ኢሎም ቀ/ሚ ሃይለማርያም።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ርክብ ኢትዮዽያን ግብፅን እንተተማሓይሹ ተመራፃይ‘ዩ ኢሎም ኣብ ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝነበሩ ኣምባሳደር ሄርማን ኮሀን።

"መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘይ ዓለም-ለኻዊ ምትሕብባር፡ ንግድብ ህዳሴ ምህናጽ ከምዘይክእል ዝተገንዘበ ይመስለኒ" ሀርማን ኮሀን

ምኽትል ምንስተር ወጻኢ ኣመሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ዝነበሩ ኣምባሳደር ሀርማን ኮሀን ብዛዕባ ኤርትራ ክዛረቡ ኸለዉ ኣብ ኤርትራ ዝተነብረ ማዕቀብ "ማዕቀብ ብቐደሙ`ውን ክንበር ኣይነበሮን ኣብ ኤርትራ ቂም-በቐል ብዘለዋ ኣመሪካ `ዩ ተነቢሩ"

ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነበሩ ማዕቀባት፣ብጠንቂ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣይኮነን ተወሲኖም።ኤርትራ ንኣል-ሸባብ ትረድእ‘ያ ብዝብል‘ምበር።ኤርትራ ንኣል-ሸባብ ትረድእ ነይራ።ሎሚ ግን ኣይትረድእን ዘላ። እቲ ማዕቀብ ክልዓል ኣለዎ ኢሎም።ቤት ምኽሪ ፀጥታ ብጠንቂ መግሃስቲ መሰላት እገዳ ዘንብር እንተኾይኑ፣ኣብ ልዕሊ 75 ሃገራት እገዳ ክውስን ኣለዎ ማለት‘ዩ ኢሎም።

ሙሉእ ሪፖርት ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:13 0:00
መራገፊ

XS
SM
MD
LG