መራሕቲ ኢትዮዽያን ግብፅን ንሰናይ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ተበጊሶም ከምዘለው ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ገሊፆም።
ብዘይካ‘ዚ፣ግብፂ ንዕርቂ ኢትዮዽያን ኤርትራን ተንቀሳቂሳ እንተኾይና ኣዝዩ ዝናኣድ‘ዩ ኢሎም ኣምባሳደር ሄርማን ኮሀን።
ዝምድና ኢትዮዽያን ግብፅን ነዊሕ ዘበናት ዘቁፀረ ምኳኑ ዝገልፁ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ነቲ ዝፀንሐና ርክብ ንምጥንኻር ድልየትና‘ዩ ኢሎም።
ካብ ርሑቅ ኮይኑ ብተላኣኣኽቱ ኣቢሉ ንኢትዮዽያ ንምህዋኽ ዝተበገሰ ሓይሊ ከምመንግስታት ሙባረክን ሙርሲን ክፈሽል‘ዩ ኢሎም ቀ/ሚ ሃይለማርያም።
እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ርክብ ኢትዮዽያን ግብፅን እንተተማሓይሹ ተመራፃይ‘ዩ ኢሎም ኣብ ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝነበሩ ኣምባሳደር ሄርማን ኮሀን።
"መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘይ ዓለም-ለኻዊ ምትሕብባር፡ ንግድብ ህዳሴ ምህናጽ ከምዘይክእል ዝተገንዘበ ይመስለኒ" ሀርማን ኮሀን
ምኽትል ምንስተር ወጻኢ ኣመሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ዝነበሩ ኣምባሳደር ሀርማን ኮሀን ብዛዕባ ኤርትራ ክዛረቡ ኸለዉ ኣብ ኤርትራ ዝተነብረ ማዕቀብ "ማዕቀብ ብቐደሙ`ውን ክንበር ኣይነበሮን ኣብ ኤርትራ ቂም-በቐል ብዘለዋ ኣመሪካ `ዩ ተነቢሩ"
ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነበሩ ማዕቀባት፣ብጠንቂ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣይኮነን ተወሲኖም።ኤርትራ ንኣል-ሸባብ ትረድእ‘ያ ብዝብል‘ምበር።ኤርትራ ንኣል-ሸባብ ትረድእ ነይራ።ሎሚ ግን ኣይትረድእን ዘላ። እቲ ማዕቀብ ክልዓል ኣለዎ ኢሎም።ቤት ምኽሪ ፀጥታ ብጠንቂ መግሃስቲ መሰላት እገዳ ዘንብር እንተኾይኑ፣ኣብ ልዕሊ 75 ሃገራት እገዳ ክውስን ኣለዎ ማለት‘ዩ ኢሎም።