ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብጺን ኢትዮጵያን ውዕል ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ብምጥሓስ ንሓድሕደን ይካሰሳ


ፋይል
ፋይል

ግብጺ ነቲ ቅድሚ 12 ዓመታት፣ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ግብጺን ሱዳንን ዝተኸትመ ውዕል ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ኢትዮጵያ ጥሒሳቶ ክትብል ከሲሳ።

ነዚ ክሲ መሰረት ብምግባር ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምህ ሹክሪ ዝሃብዎ መግልጺ ዝጠቀሰ መርበብ ዜና ግብጺ ኣሕራም "ኢትዮጵያ፣ ግድብ ህዳሴ ንረብሓታት ግብጺን ሱዳንን ከምዝሕሉ ከተረጋግጽ እተዘይኪኢላ መንግስቲ ግብጺ ረብሓታት ህዝቢ ክሕሉ እዩ" ከምዝበሉ ተጠቒሱ ኣሎ።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብወገኑ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ዝበልዎ ዓለምለኸ ሕጊ ዝጻረር ናይ ምፍርራሕ ተግባር ምዃኑ ብምግላጽ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ድማ ሓቢሮም።

ምስ ኬንያዊ መዘነኦም ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃቡ ሳምሕ ሹክሪ "ኢትዮጵያ፣ ንራብዓይ ዙር ምምላእ’ቲ ግድብ ትቀራረብ ኣላ" ከምዝበሉ’ውን እቲ ዜና ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃበቶ ግብረ መልሲ ግብጺ፣ንቻርተር ሕቡራት ሃገራትን፣ መትከላት ሕብረት ኣፍሪቃን ብግልጺ ትጥሕስ ኣላ ከምዝበለት ዝረኸብናዮ ዜና ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG