ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮዽያን ግብፅን ንግብረ-ሸበራ ኮኒነን፣ብሓባር ንክምክተኦ‘ውን ተሰማሚዔን


ሰምሃ ሹክሪን ቴድሮስ ኣድሓኖምን
ሰምሃ ሹክሪን ቴድሮስ ኣድሓኖምን

ምንስትር ወፃኢ ሳምሃ ሽኩሪ፣ትማሊ ሰንበትን ሎሚ ሶኒይን ምስ ምንስትር ወፃኢ ኢትዮዽያ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ተዘራሪቦም‘ለው።

መራሕቲ ግብፅን ኢትዮዽያን ኣብ ማላቡ ኣብ ዝተራኸቡሉ እዋን ብመሰረት ዘሕለፍዎ ውሳነ ንዝምልከቶም ሰበ-ስልጣን መምርሒ ከምዘውረዱ ሚስትር ወፃኢ ግብፂ ሳምሃ ሽኩሪ ንጋዜጠኛታት ገሊፆም።

ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ኢትዮዽያን ግብፅን ንግብረ-ሸበራ፣ውዱብ ገበናትን ንግዲ ደቂ-ሰባትን ብሓባር ንምውጋእ ተሰማሚዔን።

ግብፅን ኢትዮዽያን ግብረ-ሸበራ ብኩሎም መግለፂታቱ ከምዝኹነን፣ብሓባር ክምክተኦን ተሰማሚዔን‘ለዋ።

ክልቲኤን ሃገራት ኩነታት ሶማልያ፣ደቡብ ሱዳን፣ሊብያ፣ቡርኪናፋሶን ግዝኣት ፍልስጤማውያንን ኣልዒለን ኣብ ምርድዳእ በፂሔን‘ለዋ ስምዕዕነት‘ውን ኣሲረን።ተራ ሕብረት ኣፍሪቃት በይነ-መንግስታት ምብራቅ ኣፍሪቃ ኢጋድን‘ውን ተዘሪቡሎም‘ዩ ብመሰረት ትካል ዜና ግብፂ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:41 0:00
መራገፊ

XS
SM
MD
LG