ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብ ልዝብ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ወሰንቲ ሰለስቲአን ሃገራት እየን' ኣምባ. ዲና ሙፍቲ


ኣብ ዙሪያ ልዝብ ግድብ ዓብይ ህዳሴ ናይ መወዳእታ ውሳነ ዝህባ ሰለስተ ሃገራት ጥራሕ ምዃነን ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ብምዕራባዊያን ወገን ዘሎ ሪኢቶ ምስቲ ሓቂ ይገናዘብ ኣሎ ኢሎም ወሃቢ ቃል ናይቲ ምንስቴር።

ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ዝሃቡዎ ስሩዕ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብቲ ልዝብ ሕቡራት መንግስታት፣ዩናይትድ ስቴት ስ፣ሕብረት ኣውሮፓን ዝኣመሰሉን ኣካላት ክሳተፉ እንተኾይኖም መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወግዒ ዝቐረበሉ ሕቶ የለን ኢሎም።

ብዘይካ ሕቡራት መንግስታት እዞም ኣካላት እዚኦም ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብቲ መስርሕ ልዝብይሳተፉ ዝነበሩ እዮም ኢሎም።’’እቲ ልዝብ መዕለቢ ዝርከብ፣መፍትሒ ዝመፅእ ብስሉስ ወይ ብሰለስቲአን ጥራሕ እዩ’’ ኢሎም።

ኣብ 2015 ኣ\ፈ ኣብ ካርቱም በሰለስቲኦም መራሕቲ ብመሰረት ዝተፈረመ ስምምዕ ሰለስቲአን ሃገራት በቲ ልዝብ እንተድኣ ዘይተሰማሚዐን ንሰለስቲኦም መራሕቲ ይቐርብ እቶም መራሕቲ ናይቲ ልዝብ ስልቲ ክቕይሩዎ ይኽእሉ ከምዝብል ኣምባሳደር ዲና ሓቢሮም።

ሰራዊት ሱዳን ብሓይሊ ንዶብ ጥሒሱ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ኢሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ገለፀ ስለምንታይ ስቕታ መሪፁ ዝብል ሕቶ ቀሪቡሎም ዲፕሎማሲ ብዙሕ መንገዲ ኣለዎ ክብሉ መሊሶም።

ብወግዒ ዓውዓው እንተዘይበልና እውን ብዲፕሎማሲያዊ ቻናል ንፈተውቶም ይኹን ንናይ ሓባር ፈትወቲ ከምኡ እውን ንናትና መሓዙት ፅቡቕ ኣይሰርሑን ዘለው፤ኣየዋፅኦምን፣ንሕና ምስ ህዝቢ ሱዳን ሕውነት ንደሊ ኢና ዝብል በብእዋኑ ንደፍአሉ ኣለና ኢሎም።’’መችዩና መሬትና ተታሒዙ ቅሬታ ኣይፈጥረልናን ማለት ኣይኮነን’’ ኢሎም ብምውሳኽ።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ መቐለ ዑደት ዝፈፀሙ ኣምባሳደራት ብዝምልከት ክዛረቡ ከለው ናይቶም ኣምባሳደራት ዕላዊ ሪኢቶ ንመንግስቲ ኣይቀረበን ኢሎም።

ይኹን እምበር ኣብቲ ካብ ዝነበሩ መልስታቶም ምግማት ዝክኣል ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ምስርኣዩ ሪኢቶታቶም ከምዝተለወጠ ሓቢሮም ይብል እቲ ፀብፃብ። እቶም ኣማባሳደራት ሪኢቶታቶም ዝተለወጠ ምዃኑ መርኣያ ግን ኣይጠቐሱን ኣማባሳደር ዲና።

የቕርቡዎ ዝነበሩ ኩነታት ኣብ ዝተልዓለሉ ድሕሪ ሕዚ ውሳነ፣ኣድማ፣ተፅዕኖ፣እገዳ ዝብል ባዶ መዝሙር እዩ ኢሎም ኣማባሳደር ዲና።

ወሃቢ ቃል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ስቴፋን ዱጃሪክ ትማሊ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ገበርቲ ሰናይ ፍቓድ ብምሕታት ከይኮነ ብኢሜይል ብምፍላጥ ናብ ትግራይ ክጉዓዙ ከምዝኽእሉን እዚ ድማ ፅቡቕ ምዕባለ ምዃኑን ሓቢሮምኣለው።

ኣብዚ ሕዚ እዋን 240 ሰራሕተኛታት ሕቡራት መንግስታትን ልዕሊ 1, 000 ሓደ ሰራሕተኛታት ካልኦት ገበርቲ ሰናይን ኣብ ትግራይ ተዋፊሮም ከምዝርከቡ ሓቢሮም እቶም ወሃቢ ቃል።

ብኻሊእ ወገን ኣብ ትግራይ ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኣዚዩ ከምዝተሓሳሰቦም ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንኮንግረስ መብርሂ ክህቡ ከለው ምሕባሮም ይዝከር።

ምሉእ ት ሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG