ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘተሓሳስብ ምውራድ ፅፈት ትምህርቲ ክልል ትግራይ


ዶ/ር ሙሉ ነጋ ምስ ተማሃሮ
ዶ/ር ሙሉ ነጋ ምስ ተማሃሮ

ኣብ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ፅፈት ትምህርቲ እናወረደ ምምፅኡ መዘራረቢ ኮይኑ’ሎ።ብፍላይ ድማ ኣብ 2009 ዓ/ም ናይ 12 ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ወሲዶም ዝወደቑ ተምሃሮ ቁፅሮም ምስ ምብዝሑ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያን መርበብ ሓበሬታትን መዘራረቢ ኮይኑ’ሎ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር መፅናዕትን ምርምርን ከምኡ እውን ኣብ ፖሊሲን ፅርየትን ላዕለዋይ ትምህርቲ መፅናዕቲ ዘካይዱ ዶ/ር ሙሉ ነጋ ኣብ ትግራይ ፅርየት ትምህርቲ ካብ እዋን ናብ እዋን እናወረደ ከምዝመፀ ይገልፁ።

ዶ/ር ሙሉ ኣብ ናይ ትግራይ ፅርየት ቀዳማይ ብርኪ ትምህርቲ መፅናዕቲ ከምዘካየዱ ብምግላፅ ‘’ተምሃራይ ንክምሃር ዘለዎ ድልየት፣ምምሕዳር ቤት ትምህርቲ፣ናይ መምህራን ድልየትን ብቕዓትን፣ፖሊሲ ስርዓት ምዘና፣ንትምህርቲ ዝውሃብ ዋጋን ክብሪን ዝኣመሰሉ ሪኢና፤ኣብ ኩሉ ክፍተት ኣሎ፤ክዕረ እውን ንቢሮ ትምህርቲ ምኽረ-ሓሳብ ኢብና ኢና’’ኢሎም።ተምሃሮ ከይበቕዑ ናብቲ ቐፃሊ ክሓልፍ ዝግበር ኣዚዩ ዘተሓሳስብን እናተዋህለለ መፂኡ ናብ ሓደጋ ዘውድቕን እዩ ኢሎም።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:10:19 0:00

XS
SM
MD
LG