ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ክሳብ 2015 ሸቶታት ኣድማሳዊ መባእታዊ ትምህርቲ ንምዕዋት ኣብ ጽቡቕ መስመር ኣላ ተባሂሉ


ምምሕያሽ ምቕዓት ትምህርቲ ግን ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ`ሎ

ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ጴጥሮስ ወልደጊዮርጊስ፡ ናይ ትምህርቲ ዋጋ ስለ እንርዳእ፡ ቐዳምነት ሂብና`ለና ኢሎም። ኽኢላታት ሬድኤት ልምዓት ኸምዝበልዎ፡ ኢትዮጵያ ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት ሓደ ርብዒ መንግስታዊ ወጻኢኣ ንትምህርቲ ኣውዒላቶ`ላ።

እንተኾነ፡ ቕልጡፍ ምውሳኽ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኸቢድ ሕጽረት ብቕዓት መማህራን ኣስዒቡ`ሎ። ኣብ ዝበዝሑ መምሃሪ ኽፍልታት መጻሕፍቲ የለዉን፡ ብዙሓት ተማሃሮ ምንባብ`ኳ ኸይኸኣሉ ካብ ትምህርቲ ከምዝወጹ መጽናዕትታት የመልክቱ።

ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG