ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕብየት ቁጠባ ኢትዮጵያ ብዝጀመሮ ናህሪ ክቅፅል ኣለዎ ኢሎም ሓላፊ Ernest & Young


ኣቶ ዘመዴነህ ንጋቱ
ኣቶ ዘመዴነህ ንጋቱ

ዝቅባበ ግና ትኹረት መንግስቲ ዝጠልብ ምኻኑ'ውን ጠቂሶም

መጠን ዝቅባበ ኣብ ኢትዮዽያ ናብ ሓደ ኣሃዝ ክንኪ ኣለዎ።ዝቅባበ ስለዝሓየለ ኢልካ ግና፣ እታ ሃገር ተመዝግቦ ዘላ ክልተ ዝኣሃዙ ዕብየት ክትግድቦ ኣለዋ ማለት ኣይኮነን ኢሎም ኣካያዲ ስራሕ አርነስት ኤንድ ያንግ ኣቶ ዘመዴነህ ንጋቱ።

ኣብ‘ዚ ቀረባ ኣዋርሕ ብዛዕባ ምዕባለ ዝትንትኑ ወገናት፣ቁጠባ ኢትዮዽያ ኣብ‘ዚ እዋን ሳልሳይ እቲ ብናህሪ ይዓቢ ዘሎ ቁጠባ እናበሉ ይፅብፅቡ። ብዛዕብኡ ሪኢቶኦም ዝተሓተቱ ኣቶ ዘመዴነህ ”ኣብ ምጅማር ሓድሽ ዓመት ኣውሮዻውያን፣ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝሕተም መፅሔት ዘ-ኢኮኖሚስት፣ካብ ሙሉእ ዓለም ኣብ ዝቅፅላ ሓሙሽተ ዓመታት፣ብናህሪ ክዓብያ‘የን ኢሎም ምስ IMF ዝፅበዩወን 10 ሃገራት ኣለዋ። ቀዳማይቲ ቻይና፣ ካልኣይቲ ህንዲ፣ሳልሳይቲ ኢትዮዽያ ምኻና ጠቂሶም‘ለው” ኢሎም።

ብመሰረት‘ዚ ኣይ-ኤም-ኤፍ ቁጠባ ኢትዮዽያ ሎም-ዘበን ብ7 ነጥቢ 8 ሚእታዊ ክዓቢ‘ዩ ክብል ከሎ፣መንግስቲ ኢትዮዽያ ግና ልዕሊ 11 ሚእታዊ ዕብየት ከምዝተመዝገበ‘ዩ ዝጠቅስ።እቲ ሕቶ ከም‘ዚ ዓይነት ናይ ኣሃዝ ኣፈላላይ እንታይ እንታይ ኣምፀኦ? ተባሂሎም ኣቶ ዘመዴነህ ንጋቱ ከብርሁ ከለው ”ናይ ኣሃዛት ኣፈላላይ ኣይኮነን እቲ ኣገዳሲ ነገር።ዕብየት ማለት እንታይ ማለት‘ዩ? ዝብል ሕቶ ንምምላስ መሰረቱ እንታይ‘ዩ ኢልና ክንርኢ ይግባእ።ኣብ ኣሃዝ ኣፈላላይ ኣሎ‘ዶ ኢልካ ካብ ምሕታት፣እንታይ ዓይነት ለውጥታት ይራኣዩ? ኢልካ መልሲ ምርካብ‘ዩ እቲ ተመራፂ” ኢሎም።

XS
SM
MD
LG