ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኢትዮዽያን ቁጠባዊ ኩነታታን ዝዳህሰሰ መደብ


Ethiopia
Ethiopia
ቁጠባ ኢትዮዽያ ኣብ‘ዘን ዝሓለፋ ሸውዓተ ዓመታት፣ብማእከላይ መዐቀኒ ዓመታዊ ዓሰርተ ሚእታዊ ይዓቢ‘ሎ።እንተኾነ ሲሶ ህዝቢ ኢትዮዽያ ሎሚ‘ውን ትሕቲ ጠርዚ መዐቀኒ ድኽነት‘ዩ ዝርከብ።

ኣብ ኢትዮዽያ ኣማኻሪ ፕሮግራም ምዕባለ ሕ/ሃ (UNDP) ሚስተር ሳሙኤል በዋልያ“ ብመንፅር ምዕባለ፣ኢትዮዽያ ካብ ኣዝዩ ዓሙቅ ደረጃ ድኽነት‘ያ ተበጊሳ።ናይ ሸውዓተ ዓመታት ተኸታታሊ ምዕባለ፣ዘምፀኦ ለውጢ ዳኣ ኣበይ ኣሎ ኢልና ክንሓትት እንተጀሚርና፣ሓቂ ንምዝራብ ንሃፅፅ ኣለና ማለት‘ዩ“ ይብል።

ኣብ‘ዚ ቀረባ ዝዓረፉ ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ፣ንድኻታት ንምሕጋዝ ይኽተልዎ ብዝነበረ ፖሊሲ ይናኣዱ ነይሮም።ኣብ‘ዘን ዝሓለፋ ሸውዓተ ዓመታት፣መጠን ድኽነት ኣብ ኢትዮዽያ፣ብዓሰርተ ሚእታዊ ነክዩ‘ዩ።

ኢትዮዽያ፣ሎም-ዘበን‘ውን ቁጠባኣ ብዓሰርተ ሚእታዊ ክዓቢ‘ዩ ትብል።ባንኪ ዓለምን ትካል ገንዘብ ዓለምን ግና፣ነቲ ኣሃዛዊ መጠን ነክዮም፣ቁጠባ ኢትዮዽያ ብሸውዓተ ሚእታዊ ሎም-ዘበን ከምዝዓቢ ይገልፁ።

ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:36 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG