ቁጠባ ኢትዮዽያ ኣብ‘ዘን ዝሓለፋ 11 ዓመታት ብክልተ ኣሃዝ ይዓቢ‘ሎ ዝብል መንግስቲ ኢትዮዽያ እቲ ኣንፈት ብዘይምቁራፅ እንተቀፂሉ ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ኢትዮዽያ ናብ ማእከላይ እቶት ዘለወን ሃገራት ክትሕወስ‘ያ ይብል።
ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብወገኖም፣ቅድሚ 23 ዓመታት 50 ሚልዮን ኲንታል ዝነበረ ዓመታዊ ፍርያት ሕርሻ፣ሎሚ ናብ 250 ሚልዮን ኲንታል ብምብፃሕ፣ኢትዮዽያ ርእሳ ዝኻኣለት ሃገር ኮይና‘ላ ኢሎም‘ለው ትማሊ።
ተቃወምቲ ግና ነዚ መንግስቲ ዝህቦ ኣሃዛዊ ሓበሬታን ደረጃ ዕብየትን ኣይቅበልዎን።ህዝቢ ዝርበሐሉ ዘይኮነስ ምስ መንግስታዊ ሰበ-ስልጣን፣ ካድረታትን ካልኦትን ርክብ ዘለዎም ጥራሕ‘ዮም ተረባሕቲ ይብሉ።
እዚ ዕብየት‘ዚ ናብ ናይ ህዝቢ ተረባሓይነት‘ዶ ተቀይሩ? ዝብል ቀንዲ መዘራረቢ ዝገበረ ካልኣይ ክፍሊ ክትዕ ሎሚ ተቀሪቡ‘ሎ‘ሎ።
ቀዳማይ ምንስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ገለ ኣባላት ኢህወዴግን መራሕቲ ገለ ተቃወምቲ ፓርቲታትን ንመስርሕ ዴሞክራሲ‘ታ ሃገር ንምሕንኳል ይፍትኑ ኣለው።ብሕጋዊ ኣሰራርሓ ክንምክቶምን እቲ መስርሕ ብዘይፀገም ክቅፅልን ክንሰርሕ ኢና ከምዝበሉ ዝዝከር‘ዩ።