ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'አብ ኢትዮጵያ ምክንያት'ቲ ን8.2 ሚሊዮን ህዝቢ ዝትንክፍ ደርቂ ለውጢ ክሊማ'ዩ'- አማካሪ ኢኮኖሚ


አብ ኢትዮጵያ ምክንያት'ቲ ን8.2 ሚሊዮን ህዝቢ ዝትንክፍ ደርቂ ለውጢ ክሊማ'ዩ ይብሉ አብ መዳይ ኢኮኖሚ ኣማካሪ ቀዳማይ ሚኒስትር'ታ ሃገር ኣቶ ነዋይ ገብረአብ።

መንግስቲ ነአሽቱ ሓረስቶት ድኹዒ ተጠቂሞም ምህርቲ ክውስኹ ንምግባር ሓቢሩ እንተስርሐ'ኻ ሳዕቤን ኤል-ኒኖ ንህይወት ብዙሓት ሓረስቶት ተንኪፉ'ሎ'ውን ኢሎም።

ኣቶ ነዋይ ገብረአብ አብዚ አብ ዋሽንግተን ዲሲ አብ ዝተካሄደ ኣኼባ ክኢላታት ውሕስነት መግቢን ጥምየት ምውጋድ ተረኺቦም ምስ ድምጺ አሜሪካ አብ ዘካየድዎ ቃለ-መጠይቕ'ዮም ነዚ ዝገለጹ።

ኣቶ ነዋይ ገብረአብ ኣማኻሪ አብ መዳይ ኢኮኖሚ ብምዃን ካብ እዋን ቀዳማይ ሚኒስትር መለስ ዜናዊ ጀሚሮም ዘገልገሉ ዘለዉ'ዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG