ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ሓያለ ሲቪላዊያን ሰባት ምቕታሎም ነበርቲ ገሊጾም


ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ምብራቅ ወለጋ ዞባ ጊዳ ኣያና ወረዳ አንዶዴ ቀበሌ ዲች ሓያለ ሲቪላውያን ዜጋታት ብሓይልታት ጸጥታ ተቐቲሎም ክብሉ ነበርቲ'ቲ ከባቢን እናት ፓርቲን ሓቢሮም።

ተቐቲሎም ናይ ዝተባህሉ 10-ሰባት ዝርዝር ኣስማት ኣብ መግለጺኡ ዘስፈረ እናት ፓርቲ ሓደ ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ምቕታሉ ስዒቡ ሓይልታት መንግስቲ ብዝወሰድዎ ስጉምቲ እቶም ሲቪላውያን ነበርቲ ከምዝተቐትሉ ገሊጹ።

ክልተ ኣሕዋተን ከምዝተቐትልወን ዝሓበረ ሓንቲ ውልቀሰብ ንክብረ በዓል ቤተ ክርስትያን ኣቦ ኣብ ዝኸድሉ እዋን ካብ ኣባላት ምክልኻል ብዝተተኮሰሎም ጥይት ተቐቲሎም ክብላ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢረን።

ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ምላሽ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ'ቲ ክልል ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን ግን ወታሃደራውን ሲቪላውን ሰበ ስልጣን ቅድሚ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለጽታት ንሲቪል ዒላማ ከምዘይገብሩ ብምግላጽ ንዝቀረቡ ተመሳሰልቲ ክስታት ምንጻጎም ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG