ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

15 ሚሊዮን ዝኾኑ ሰባት ብእንተርኔት ኣቢሎም ዲቪ ሎተሪ ከምዝመልኡ ትፅቢት ይግበር


‘’ ዲቪ ናይ ምስዓር ዕድልኩም ሓፍ ክነብሎ ኢና እናበሉ መደናገርቲ ብዙሕ ገንዘብ የኽፍሉ ኣለው’’ሰበስልጣን ኮንሱላር

ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝርከቡ ካፌታት መውሃቢ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ናይ 2013 ኣ/ፈ ናብ ዩናይትድ ስቴትስ ንምእታው ዘኽእል ዲቪ ሎተሪ ንምምላእ ብኣመልከቲ ከምዝተጨነናቓ ይግለፅ ኣሎ።ናይ መወዳእታ ማዕልቲ ናይ ሎሚ ዓመት መምልኢ ሎተሪ ዝመፅእ ቀዳም እዩ።ናብ ዩናይትድ ስቴትስ ዘእቱ ናይ ግሪን ካርድ ቪዛ ካብ ዝረኽቡ 50 ሽሕ ሰባት ሓደ ንምዃን ገለ 15 ሚሊዮን ዝኾኑ ሰባት ብኢንተርኔት ክምዝገቡ ሰበስልጣን ትፅቢት ይገብሩ።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝርከብ ብስራሕ ዘብዐኝነት ይመሓደር።ማዕልታዊ ናይ ዋርዲያ ስርሑ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ንምንባር ተስፋ እናገበረ ኮፍ ኢሉ የሕልፎ።ብዘብዐኝነት ኣብ ወርሒ ከባቢ 860 ቕርሺ ይረክብ።እዚ ንበዓልቲ ቤቱን ጛሉን ንምንባር እኹል ኣይኮነን።

ዩሱፍ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ናይ ምንባሩ ዕድል እንተረኺቡ ኣብ ሃገሩ ናብ ዝርከብ ስድርኡ ወርሓዊ ንምልኣኽ ዘኽእሎ ኣታዊ ከምዘርክበሉ ይዛረብ።ብምቕፃል ‘’ሕልመይ ናብ ዩናይትድ ስቴትስ ምኻድ እዩ።ከይደ ሰሪሐ ናብ ጛለይን ብዓልቲ ቤተይን ዝልእኾ ገንዘብ ክህልወኒ እዩ ማለት እዩ።’’ይብል።

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ሰበስልጣን ኮንሱላር ከምዝብልዎ ብዙሓት መደናገርቲ ናይ ምስዓር ዕድልኩም ሓፍ ክነብሎ ኢና እናበሉ ናይ ሓሶት ተስፋታት ብምሃብ ብዙሕ ገንዘብ ከምዘኽፍሉዎም ይዛረቡ።

ኣመልከቲ መንበሪ ፍቓድ ረኺቦም እንተኾይኖም ንምርግጋፅ ናብ መርበብ ሓበሬታ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ብምእታው ናይ ውልቆም ናይ መንነት ቁፅሪ ብምእታው ከረጋግፁ ከምዘለዎም ናይ ኮንሱላር ሰበስልጣን ይገልፁ።ዝርዝሩ የድምፁ።

XS
SM
MD
LG