ኢትዮጵያ ንኣስታት 8 ሚልዮን ናይ ቀረብ ማይን መግብን ህጹጽ ረድኤት ዝውዕል ናይ 1.6 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ምሕታታ ሰበ-ስልጣን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጦም።
ኣወሃሃዲት ሰብኣዊ ጉዳያት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ዝኾነት ኣሁና ኢዝያኮንዋ ኦኖቸ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ "ኣስታት 3.5 ሚልዮን ህጻናት ብማእከላይ ደረጃ ዘለዎ ጉድለት ኣመጋግባ ክጥቅዑ ይኽእሉዮም። ካልኦት ልዕሊ 300 ሚእቲ ሽሕ ድማ ብክቱር ጉድለት ኣመጋግባ ክጥቅዑ'ዮም ዝብል ግምት ኣለና " ኢላ።
ንሳ ብተወሳኺ: እቶም ብክቱር ጉድለት ኣመጋግባ ዝተጠቕዑ ህጻናት ኣድላይ ዘበለ ዝተማልአ መግቢ እንተዘይረኺቦም ናይ ሞት ሓደጋ ዘንጸላልዎም ምዃኖም ትገልጽ።
ጽጉማት ረድኤት ዝረኽቡሉ ግዜ ወሳኒዩ ዝበለት ኣወሃሃዲት ሰብኣዊ ጉዳያት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ኣሁና ኢዝያኮንዋ ኦኖቸ : ብእዋኑ ዝበጽሕ ሓገዝ ክግታእ ንዝኽእል ሳዕቤን ክግታእን ብኽቱር ጉድለት ኣመጋግባ ንዝስዕብ ጸገማት ድማ ክውገድ ከምዝኽእል ትሕብር።
ኢትዮጵያ ንሰለስተ ግዜ ብተኸታታሊ ደርቂ ዝተጠቕዐት ክትከውን እንከላ: ዝበዝሑ ግዳያት ድማ ኣብቶም ብጉስነት ዝነብሩ ኣስታት 2.4 ሚልዮን ዘጋጠመ እዮ። ኣስታት 80 ሚእታዊት ካብ ማሎም ብደርቂ ድሕሪ ምማተን ብቐጥታ ካባታታተን ዝረኽብዎ ዘነበሩ ስጋን ጸባን ክቋረጽን ብኡ ኣቢሉ ድማ ንሓደጋ ደርቂ ከምዘቃልዖም እታ ኣወሃሃዲት ሰብኣዊ ጉድያት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ኣሁና ኢዝያኮንዋ ኦኖቸ ብተወሳኺ ትገልጽ።