ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዎርልድ ቪዥን ንልዕሊ 400 ሽሕ ህዝቢ ህፁፅ ረድኤት የቕርብ ኣሎ


ብዝለዓለ ደረጃ ካብዝተጠቕዑ ናይ ኢትዮጵያ ክፍልታት ደቡብ ኦሮሚያን ክልል ሱማሊያን እዮም

ኣብ ብሄርን ብሄረሰባትን ህዝብታት ደቡብን ኣብ ካልኦት ክፋላት እታ ሃገርን ንልዕሊ ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ዝኸውን ህዝቢ ህፁፅ ናይ ምግቢ ረድኤት ከምዘቕርብ ወርሊድ ቪዥን ኢትዮጵያ ዝተብሃለ ገባሪ ሰናይ ትካል ኣፍሊጡ።እቲ ትካል ኣብዝንቀሳቐሰሎም ከባቢታት ብምኽንያት ጥምየት ህይወት ሰብ ከምዘይጠፍአ’ውን ኣረጋጊፁ።

መካየዲ ስራሕ ኮሚኒኬሽን ወርሊድ ቪዥን ኢትዮጵያ ኣቶ ገብረእግዝኣብሄር ሃደራ ሎማዕንቲ ሓሙስ ብፍላይ ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃለ-መጠይቕ ከምዝገለፅዎ እቲ ትካል ኣብዝተፈለኣለዩ ከባቢታት ናይ ልሞዓት ፕሮግራማት ዘርጊሑ ይንቀሳቐስ ኣሎ።ምስዚ ጎኒ ንጎኒ ድማ ድርቅን ካልኦት ህፁፅ ሽግራትን እንትፍጠሩ ጉድኣት ንዝበፅሖም ሰባት ይሕግዝ።

ብፍላይ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዝበፅሐ ድርቂ ህፁፅ ሓገዝ ንዘድልዮም ወገናት እቲ ትካል እናሓገዘ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣቶ ገብረእግዛብሄር መብዛሕቲኡ ኣብ ደቡብን ኣብ ካልኦት ናይ ኢትዮጵያ ክልላትን ካብ 400 ሽሕ ንላዕሊ ንዝኸውን ህዝቢ ዕለታዊ ናይ ምግቢ ረድኤት እናሃበ ይርከብ ኢሎም።

ብምቕፃል ‘’ ኣብ ደቡብ ኣብ ከባቢታት ሾኔ፡ሶዴ፡ኦሞ ሸሎቆ፡ዱራሜ፡ቃጫ ቢራ፡ሻሸሜነ ሓዊሱ እንቀሳቐሰሎም ከባቢታት እዮም።ኣብ ካልኦት ብድርቂ ኣብዝተጠቕዑ ክልላት’ውን ሓገዝ እናገብርና ንርከብ።’’ኢሎም።

ብዝለዓለ ደረጃ ካብዝተጠቕዑ ናይ ኢትዮጵያ ክፍልታት ደቡብ ኦሮሚያን ክልል ሱማሊያን ከምዝኾኑ ዝሓበሩ ኣቶ ገብረእግዛብሄር ወርሊድ ቪዥን ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝናብ ስለዝጀመረ ጠጠው እንተበልዎ እውን ኣብ ቦረና ገለ ገለ ከባቢታት ናይ እንስሳት ምግቢ፡ናይ እንስሳት ናይ ጥዕና ሓለዋን ናይ ማይ ቀረብን ንከባቢ 55 ሽሕ ሰባት ሓገዝ የቕርቡ ከምዝነበሩ ሓቢሮም።ዝተመጣጠነ ምግቢ፡ዘርኢ፡ምስ ውልቃዊ ፅርየት ዝተትሓሐዘ ድጋፍን ከምዝሃቡ ወሲኾም ሓቢሮም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዕላዊ ኮይኑ ዘሎ ዕለታዊ ረድኤት ናይ ዘድሊዮም በዝሒ ሰባት ቅድሚ ምፍላጡ ክልተ ዝተፈላለዩ ኣሃዛት ተገሊፆም ነይሮም።መጀመሪያ 2.8 ሚሊዮን፡ቀፂሉ 3.2 ሚሊዮን ኣብ ወርሒ ሓምለ ድማ ረድኤት ናይዘድሊዮም በዝሒ ሰባት 4.5 ሚሊዮን ምዃኑ ብዕሊ ተገሊፁ።ኣብቲ መፅናዕቲ ካብዝተኻፈሉ ኣካልት ወርልድ ቪዥን ኢትዮጵያ ሓደ እዩ።

እቲ ድርቂ ዘስዐቦ ሽግር ቀሊል እንተዘይኮነ’ውን ወርሊድ ቪዥን ኣብዝንቀሳቐሰሎም ከባቢታት ምስ መንግስታዊን መንግስታዊ ዘይኮኑ ኣካላትን ብምትሕብባር ስለዝሰርሑ ናይ ሓደ ሰብ ህይወት’ውን ብምኽንያት ጥምየት ከምዘይጠፍአ ኣቶ ገብረ እግዛብሄር ኣረጋጊፆም ዎርልድ ቪዥን ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ካብ ሰብዓ ንላዕሊ ኣብዝኾኑ ወረዳታት 67 ናይ ልምዓት ፕርጀክትታት ዘርጊሑ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ዓብይ መንግስታዊ ዘይኮነ ትካል ረድኤት እዩ።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG