ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንዓመታት ዝናብ ስለዝተዛብዐ ንሓደጋ ከምዝተቓልዑ ተሓገዝቲ ገሊፆም


ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣሩሲ ማእኸል ወረዳ የሻላ ኣብዝኾነት ከተማ ኣጄ ካብ ከባቢኣ ዝርከቡ ጣቢያታት ዝመፁ ናይ ድርቂ ተሓገዝቲ ሓረስቶት ተኣኻኺቦም ይርአዩ።

ንተኸታተልቲ ዓመታት ኩነትታ ዝናብ ስለዝተዛብዐ ንሓደጋ ድርቂ ከምዘቃልዖም ተሓገዝቲ ሓረስቶት ተዛሪቦም።መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ዓለምለኸ ትካል ልምዓት ዩናይትድ ስቴትስ ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲን ካልኦት ኣጋር ትካላትን ብምዃን ናይ ምግቢ ረድኤት የከፋፍሉ ኣለው።

ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣሩሲ ማእኸል ወረዳ የሻላ ኣብዝኾነት ከተማ ኣጄ ካብ ከባቢኣ ዝርከቡ ጣቢያታት ዝመፁ ናይ ድርቂ ተሓገዝቲ ሓረስቶት ተኣኻኺቦም ይርአዩ።

እቶም ተሓገዝቲ ኣብዚ ዝተረኸቡ ብምትሕብባር ዓለምለኸ ትካል ልምዓት ዩናይትድ ስቴትስ USAID፡ብናይ ካቶሊክ ትካል ረድኤትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ምክፍፋል ፕሮግራም ህፁፅ ረድኤት ምግቢ ረድኤት ንምቕባል እዩ።

USAID ዝብል ፅሑፍ ዝተለጠፈሎም ኸረፂታት ዝተዓሸጉ ጥረ ምረን USA ዝብል ፅሑፍ ዝተፅሓፈሎም ናይ ዘይቲ ቆርቆሮን ኣብ መኽዘን ተደርዲሮም ይረአዩ።ክዕደሉ እንተለው’ውን ይርአዩ።

ንመንግስታዊ ቢሮ ምክልኻል ሓደጋ ብምውካል እቲ ምክፍፋል ተተሓባብር ዘላ ጫልቱ ታደሰ ናይ ክልቲኦም ትካላት ረድኤት ታራ ብኸምዚ ትገልፅ።’’ሲ.ኣር.ሲ ማለት እውን ካቶሊክ ሪሊፍ ሰርቪስ ዝበሃል ትካል ኣሎ።እቲ ረዲኤት ብኦም እዩ ዝመፅእ።USAID ድማ እቲ ረድኤት ዝህብ ትካል ማለት እዩ።’’ትብል።

ካብ ጣቢያ ሃራጎሌ ዝመፁ ሓረስታይ ሸካቶ ቀሹር ካብኦም ሓደ እዮም።ንሶም እቲ ዝናብ ካብ ዓሚ ጀሚሩ ከምዝጠፍአን ኩለን ከፍቲ ብጥምየት ከምዝተወድኣን ዘርኢ’ውን ዝናብ እዋኑ ሓሊዩ ስለዘይወቕዐ ዝብላዕ እኽሊ ከምዝጠፍአን ይዛረቡ።

ከብቶም ሸይጦም ንኸይምገቡ እውን ካብ ዝነበርኦም 28 ከፍቲ እተን 26 ከምዝሞትኦም ዝገለፁ እቶም ገባር ካብ 2001 ዓ/ም ጀሚሩ ዝሐሸ ዝናብ ከምዘይረኸቡ ይዛረቡ።

ኣብዚ ከባቢ ዝነብር ብዓል ሓዳር መንእሰይን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑን ከዲር ቡሽራ ብምኽንያት ሽግር ዝናብ ዝበፅሐ ዘራእቲ የለን ይብል።ቅድሚ ሕዚ ምሸላ ባሕሪ ወይ’ውን ዕፉን ኣብ ሓምለን ነሓሰን ይብፅሕ ከምዝነበረን ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ዝናብ ስለዝዘንግዐ ክበፅሕ ኣይክኣለን ይብል።

እቲ ድርቂ ንቶም ሓረስቶት ካብ መንበሪኦም እንተ ዘየፈናቐሎም’ውን ካብ መንበሪኦም እናተመላለሱ ንኽርድኡ ኣገዲዱዎም ኣሎ።ናይ ሕዚ ኩነታት ዝናብ ብምርኣይ ግን ኩነታት ኣብ ሓፂር ኣዋርሕ ምልዋጥ ከምዝጅምር ተስፋ ገይሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG