ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ካብ 2007 ዓ/ም ጀሚሩ ናይ ወፃኢ ሓገዝ ከይተፀበየት ንዓርሳ ክትኽእል ኢሎም ምንስቴር ደኤታ ሕርሻ


ኣብ ኢትዮጵያ ሎሚ ይኹን ኣብዝሓለፉ 20 ዓመታት ድርቂ እምበር ዓፀቦ የለን።

መንግስቲ ብዝሓዞ ትልሚ መሰረት ካብ 2007 ዓ/ም ጀሚሩ ኢትዮጵያ ንናይ ድርቂ ተሓገዝቲ ዝኾነ ይኹን ረድኤት ካብ ወፃኢ ከምዘይትፅበ ምንስቴር ደኤታ ምንስትሪ ሕርሻ ኢትዮጵያ ኣቶ ምትኩ ካሳ ኣፍሊጦም።

ምስ ቪኦኤ ቃለ መጠይቕ ዘካየዱ ኣብ ምንስቴር ሕርሻ ምንስቴር ደኤታ ዘፈር ምክልኻል ሓደጋ፡ድልውነትን ውሕስነት ምግብን ኣቶ ምትኩ ካሳ ናይ ቀርኒ ኣፍሪካ ጥምየት ወይ ዓፀቦ ዝብል ናይ መራኸቢ ብዙሃን ኣገላሊፃ ንኢትዮጵያ ከምዘይምልከት ሓቢሮም።

ንሶም ከምዝበልዎ ኣብ ኢትዮጵያ ሎሚ ይኹን ኣብዝሓለፉ 20 ዓመታት ድርቂ እምበር ዓፀቦ የለን።ዓፀቦ ዝበሃል ይብሉ ንሶም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 1966 ዓ/ም ከምኡ’ውን ኣብ 1977 ዓ/ም ዝተርአዩ ናይ ጥምየት መርኣያታት እዮም ኢሎም።ንዝርዝሩ የድምፁ።

XS
SM
MD
LG