ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ተጠቀምቲ ሴፍቲነት ግዳያት ደርቂ'ውን'ዮም ተባሂሉ


ኣብ ኢትዮዽያ ዝተኸሰተ ደርቂ፣ነቶም ብጠንቂ ሱር ዝሰደደ ውሕስነት መግቢ ኣብ ሴፍቲኔት ዝተሓቆፋ ወረዳታት‘ውን ከምዝትንክፍ ምንስቴር ሕርሻ ኢትዮዽያ ገሊፁ።

መንግስቲን መሻርኽቱን በዝሒ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት 4.5 ሚልዮን ምኻኑ ገሊፆም‘ዮም።ብዘይካ‘ዚ 7 ነጥቢ 8 ሚልዮን ውሕስና መግቢ ዘየረጋገፁ ኣብ ፕሮግራም ሴፍቲኔት ተሓቊፎም‘ለው።

እዞም ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ሴፍቲኔት‘ውን ግዳያት ደርቂ‘ዮም ይብል ምንስቴር ሕርሻ።ኣቶ ምትኩ ካሳ ምንስቲር ዴኤታ‘ቲ ቤት ዕዮ ንቪኦኤ ከምዝገለፅዎ፣ወረዳታት ሴፍቲኔትን ደርቂን ዝተታሓሓዙ‘ዮም።

ኣብ ዞባ ምብራቅ ሸዋ፣ዞባ ጄዶ ኮምቦልቻን መዋስንቱን ንሓረስቶት ደገፍ ከምዝተገበረሎም ተገሊፁ‘ዩ።ኣቦ ክልተ ቆልዑ ዝኾነ ሓረስታይ ሓደ ካብኦም‘ዩ።

ኣነ ንኣብነት፣ሰለስተ ኣባላት ስድራ እንተሃሊዩካ፣ብሓደ ሰብ 150 ቅርሺ ሒሳብ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ‘ዮም ከፊሎምና።

ማላንሶ ደንሳሞ ዝተባሃለ ካልእ ሓረስታይ ብወገኑ፣ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ሴፍቲኔት ዝኾና ወረዳታት ክዝርዝር ከሎ፣
ወረዳታት ኤሌና ነባቦ፣ናቃ፣ባራቢቾ፣ለሊሶ ደምቤ፣ጂዶ ኮምቦልቻ፣ኣዳንሾ ቢሮኖታ ሓገዝ ሴፍቲኔት ይረኽባ‘የን ኢሉ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ዝዝክረና ወገን ኣይረኸብናን ኢሎም ዘማርሩ ሰባት‘ውን ኣለው።ጥቃ እግሮመጨፈር ኣብ ዝተባሃለ ቀበሌ ሴፍቲኔት ዘዘራረብክዎም ሓረስታይ ይብል እስክንድር ፍሬው፣ክሳብ 3 ሚእቲ ሓረስቶት ተጠቀምቲ ሴፍቲኔት ኣይኮናን ኢሎምኒ ይብል።

ንረድኤት ተፀዊዕና ኣይንፈልጥን።ዝተቀበልናዮ ነገር የለን።ኣብ‘ቲ ማዕዶ ዘለው ይቅበሉ‘ዮም።ንሕና ግን ዝረኸብናዮ ረድኤት የለን።ምኽንያቱ ኣይፈልጥናዮን።ክሳብ ሰለስተ ሚእቲ ሰባት ሓገዝ ኣይንረክብን ዘለና።

ኣብ‘ዚ ጉዳይ‘ዚ ሪኢቶኦም ንክህቡ ዝተሓተቱ ኣቶ ምትኩ ካሳ ብወገኖም ኣብ ቅድሚት ክፍፀም ዝባሃል መደብ ይጠቅሱ።

ብደረጃ መንግስቲ ዝነፀርናዮ ኣንፈት፣እዞም ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ሴፍቲኔት ዝኾኑ ሰባት፣ኣብ ፕሮግራም ስድራቤት ተሓቊፎም፣ርእሶም ምስ ካኣሉ ካብ‘ቲ ፕሮግራም ክምረቁ ምግባር‘ዩ።ኣብ ሴፍቲኔት ዘይተሓቆፉ ካልኦት ሰባት ዝጥቀሙሉ ዝተፈላለዩ ፕሮግራማት ኣለው።ናብ‘ቶም ብምንስቴር ሕርሻ ዝተወጠኑ ፕሮግራማት ኢና ነእትዎም‘ምበር፣ፆር ንውስኸሉ ኣሰራርሓ የብልናን።እቲ 7 ነጥቢ 8 ክንኪ‘ምበር ክውስኽ ኣይንደልን ኢሎም።

ምንስቴር ዲኤታ ሕርሻ ኣቶ ምትኩ ካሳ፣ኢትዮዽያ ድሕሪ 5 ዓመታት፣ካብ ሓገዝ ወፃኢ ተናጊፋ፣ርእሳ ትቅልብ ሃገር ክትከውን‘ያ ከምዝበሉ ዝዝከር‘ዩ።

ብኢህወዴግ ዝተቀርፀ ናይ 5 ዓመታት መርሃ ግብሪ ምዕባለን ትራንስፎርሜሽንን፣ብዘይካ ፀገም ተፀባይነትን ኣፈታትሑን፣ብርክት ንዝበሉ ቁጠባዊ ስትራተጂታት ንምትግባር ዝዓለመ‘ዩ።ተቃወምቲ ግና እቲ መርሃ ግብሪ ኣይዕወትን ዝብል መግለፂታት ደጋጊሞም ኣቃሊሖም‘ዮም።ስሞም ክጥቀሰሎም ዘይደለዩ ሓደ መራሒ ተቃወምቲ፣ዝርገሐ ዝናብ ተማዓራርዩ ውፅኢታዊ መንግስቲ እንተዝህልውን‘ውን፣እዚ ኢህወዴግ ዘዳለዎ መርሃ-ግብሪ ክዕወት ኣይኽእልን ኢሎም ይብል እስክንድር ፍሬው።

XS
SM
MD
LG