ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደርቂ ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ መንበሪ ሰበኽ ሳግም ከምዝተሓፅረ ሚ/ር ሕርሻ ኣፍሊጡ


ኣብ ኢትዮዽያ ግዳያት ደርቂ ኮይኖም ዘለው፣ማሕበረ-ሰብ ሰበኽ ሳግም‘ዮም ተባሂሉ።

ኣቶ ምትኩ ካሳ፣ኣብ ምንስቴር ሕርሻ ምንስትር ዴኤታ ዘፈር ውሕስና መግብን ድልውነትን ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ፣በዝሒ ተፀበይቲ ፬ ነጥቢ 5 ሚልዮን ምኻኑ ብወግዒ ካብ ዝግለፅ ንነዘ፣ቀረብ ሓገዝ ተጠናኺሩ ቀፂሉ‘ሎ ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮዽያ ካብ ቀበሌ ክሳብ ፈዴራላዊ ንዘሎ መሓውሩ ተጠቂሙ፣ ንደርቂ ከስዕቦ ዝኽእል በሰላ ንምሕዋይ እናዓየየ ምኻኑ ገሊፆም።ኣቶ ምትኩ እቲ ደርቂ ዝተኸሰተሉ ከባቢን ጠንቁን‘ው ሓቢሮም‘ለው።

”መብዛሕተኦም ኣብ ደቡብን ደቡብ ምብራቅን ከባቢታት ሃገርና፣ማለት ክልላት ሶማሌ፣ካብ ኦሮምያ ድማ ቆላታት ባሌ፣ገለ ከባቢ ኣርሲ፣ቦረናን ጉጂን፤ካብ ክልል ብሄርን-ብሄረ-ሰባትን ደቡብ ድማ ከም ኮንሶ፣ደራሼን ደቡብ ኦሞን ዝሓቆፉ ከባቢታት ይርከብዎም” ኢሎም።

ኣቶ ምትኩ ካሳ ኣብ መብርሂኦም፣ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ነቲ ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ዝተፈጥረ ከቢድ ደርቂን ጥምየትን ኣብ ዝፅብፅብሉ እዋን፣ሰባት ዝተዛበዐ ወይካኣ ዝተጋገየ ገምጋም ክሕዙ ይኽእሉ‘ዮም ይብሉ።
ንሶም ወሲኾም፣ሰራሕተኛታት ሓደጋን ሕክምናን ቀረባት ናብ‘ቲ ከባቢ የባፅሑ ስለዘለው፣ብጠንቂ ደርቂ ካብ መረበቶም ዝፈናቀሉ ኢትዮዽያውያን ከምዘይህልው ገሊፆም።

ብዛዕባ ዓለም-ለኻዊ ሓገዛት ንተደረቅቲ ኣመልኪቶም ኣቶ ምትኩ ክዛረቡ ከለው፣እንግሊዝ ስሳ ሽሕ ዶላር መዲባ‘ላ፣USAIDን ሕብረት ኣውሮዻን እውን ደገፎም ይገልፁ‘ለው ኢሎም።USAID ቁፅሪ ተደረቅቲ ኣብ ኢትዮዽያ ልዕሊ‘ቲ መንግስቲ ኢትዮዽያ ዝገለፆ ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሩ‘ዩ።

እቲ ኣፈላላይ ካበይ መፀ ንዝብል ሕቶ ኣቶ ምትኩ ክምልሱ ከለው ”እቲ ቁምነገር ቁፅሪ ተሓጋዛይ ኣሎ‘ዶ የለን ዝብል ኣይኮነን።ናብ‘ዚ ፀገም‘ዚ ዝኣተው‘ለው፣ብቀረባ ንከታተሎም ሰባት‘ውን ኣለው።እዞም ዳሕረዋይ ዝተጠቅሱ ሰባት ኣብ ቁፅሪ ተሓገዝቲ ኣይሕቆፉን።ካብ‘ዚ ዝነቀለ ክኸውን ይኽእል‘ዩ እቲ ምስ USAID ዝተፈጥረ ኣፈላላይ” ኢሎም።

XS
SM
MD
LG