ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጋዜጣዊ መግለፂ ኣምባሳደር ዶናልድ ያማሞቶ ኣብ ኣዲስ ኣበባ


Donald Yamamoto
Donald Yamamoto

ክመሓየሹ ኣብ ዝግብኦምን ኣብ ዘፈላልዩን ጉዳያት ሃገሮም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብውልቂ ክትዘራረብ ምፅንሓ ኣብ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ሓጋዚ ምንስቴር ጉዳያት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ዶናልድ ያማሞቶ ገሊፆም።

ካብ 2006 ክሳብ 2009 ኣ/ፈ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዩናይትድ ስቴትስ ዝነበሩ ኣምባሳደር ዶናልድ ያማሞቶ ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብውልቂ ኣብዝካየዱ ዝርርባት ኣብ ዝረዳድኡሎም ብሓባር ከምዝሰርሑ ኣብዘይረዳድእሉ ድማ ንምፍታሕ ከምዝፍትኑን ገሊፆም።’’ንመንግስትን ማሕበረሰብን ብሓባር ክሰርሑ ንምሕጋዝ ንፍትን ኢና።እዚ ንናይታ ሃገር ረብሓ ጥራሕ ኣይኮነን፤ንናይ ዩናይትድ ስቴትስ ስትራተጂያዊ ረብሓ እውን እዩ።ሃገራዊ ረብሓ ዩናይትድ ስቴትስ ንህዝቢ ተፀዋዕትን ተሓታቲን ዝኾኑ ሃገራትን መንግስታትን ምህላዎም ምርግጋፅ እዩ’’ኢሎም።

ኣብ ወሰና ወሰን ወረዳታት ክልላት ኦሮሚያን ሶማሊያን ብሰንኪ ዝተልዓለ ግጭት ብኣማእቲ ኣሽሓት ብዛዕባ ምምዝባሎም ዝተሓተቱ ንሶም ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣብ ካልኦት ከባቢታት እታ ኣህጉር እውን ግጭትን ወጥርን ከምዘሎን ዘተሓሳስብ ምዃኑን ናይ ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ብምጥቓስ ገሊፆም።ንናይ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ድማ ‘ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ኦሮሞን ሶማሊያን ዘሎ ወጥሪ የሰክፈና እዩ።ብቐረባ ንከታተሎ ዘለና ጉዳይ እውን እዩ።እቲ ወጥሪ ንምፍታሕ ምስ ዝምልከቶም ሰባት ብቐጥታ እናሰራሕና ኢና’’ኢሎም።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:19 0:00

XS
SM
MD
LG