ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶክተር ኣማኑኤል ገሰሰው ተሸሊሞም


ዶክተር ኣማኑኤል ገሰሰው
ዶክተር ኣማኑኤል ገሰሰው

ሓደ ካብቶም ኢትዮጵያ ዘፍረየቶም ላዕለዎት ሓኻይም ማህፀንን ጥንስን ዶክተር ኣማኑኤል ገሰሰው ብኽልተ መዳይ ተሸሊሞም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓደ ገፅ ኣብ መዳይ ጥዕና ብዘርአይዎ ንኡድን ዕዉትን ስራሕ መዋእላዊ ተሸላሚ ገይሩ ሓሪዎም እዩ።

ኻልኣይ ድማ ኣብ ሞያ ሕክምና እርኑብን ኣብነታውነ ምዃኖም ዝገልፅ ክብሪ ብምሃብ እውን ሸሊምዎም’ሎ።

ዶክተር ኣማኑኤል ገሰሰው ኣብቶም ዝሓለፉ 26 ዓመታት ዘበነ ስርሖም ህይወት ብርክት ዝበላ ኣዴታትን ህፃውንትን ብምድሓን ኣብ ልቢ ተጠቀምቲ ዝሰፈሩ ሓኪም እዮም። ብተወሳኺ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ብምምሃር ብርክት ዝበሉ ሰብ ሞያ ጥዕና ዘፍረዩ ምሁር እዮም።

ዶክተር ኣማኑኤል ኣብ ጥዕናዊ ስራሕቲ ብፍላይ ሞት ኣዴታትን ህፃውንትን ኣብ ምንካይ ዘድሀበ ምርምር ብምክያድ ውፅኢቱ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ካብ ሃገር ወፃእን ኣብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ መጽሄታት ተሓቲሙ ቀሪቡ እዩ። ብተወሳኺ ካብ ልምዲ ስረሖም ብምብጋስ “ወለላ” ዘርእስታ መጽሓፍ ብቋንቋታት ትግርኛን ኣምሓርኛን አሐቲሞም ንንባብ ዘብቀዑ ላዕለዋይ ሓኪም እውን እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ንምስማዕ አብዚ ይኸአል።

ዶክተር ኣማኑኤል ገሰሰው ተሸሊሞም
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:14 0:00

XS
SM
MD
LG