ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕብየት ኢትዮጵያ፣ ዕብየት ጂቡቲ ማለት'ዩ ኢሎም ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ


መገዲ ባቡር ኢትዮጵያ ጂቡቲ
መገዲ ባቡር ኢትዮጵያ ጂቡቲ

ኣካል መንገዲ ባቡር ኢትዮ-ጂቡቲ ዝኾነ መስመር ደዋሌ ጂቡቲ ሎሚ ሰሉስ ተመሪቁ።

ኣብ’ቲ ስፍራ ዝተረኸቡ ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ‘እቲ ፕሮጀክት ክልቲኤን ሃገራት ሓቢረን ንምዕባይ ዘለወን ድልየት ዘርኢ’ዩ’ ኢሎም።

እቲ 750 ኪሜ ዝንውሓቱን 3.4 ቢልዮን ዶላር ዝወጸሉን መንገዲ ባቡር ኢትዮ-ጂቡቲ፣ ናይ ክልቲኤን ሃገራት ምሕዝነትን ራኢን ዝሓበረ’ዩ’ውን ተባሂሉሉ’ሎ።

ኣብ’ቲ ስፍራ ዝተረኸቡን ምስ ፕረዚደንት ጂቡቲ ኦማር ጉለህ በቲ ሓድሽ ባቡር ዝተጓዓዙን ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ እዋን ጉዕዞ'ታ ባቡር ክዛረቡ ከለው 'ኣብ ውሽጢ’ዚ ባቡር ልዕሊ ሓደ ሽሕ መንገደኛ ኣሎ። ፍርቁ ኢትዮጵያዊ፣ ፍርቁ ጂቡታዊ። ክሳዕ ክንደይ ተቀራሪብና ከምንጓዓዝ ክትሪኢ ትኽእል ኢኻ። ክልቲኤን ሃገራት’ውን ሓቢረን’የን ይዓብያ ዘለዋ። ዕብየት ጂቡቲ ማለት ዕብየት ኢትዮጵያ ማለት’ዩ። ዕብየት ኢትዮጵያ ማለት ድማ ዕብየት ጂቡቲ ማለት’ዩ' ኢሎም።

ኣቁሑት ካብ ጂቡቲ ናብ ማእከል ኢትዮጵያ ንምብጻሕ 6 መዓልታት ይወስድ ከምዝነበረን ሎሚ ግና ሳላ ሓድሽ መንገዲ ባቡር ኢትዮ-ጂቡቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ከምዝበጽሕ ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG