ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

’ኣብ ቤንሻንጉል ብገበን ዝጥርጠሩ ተኣሲሮም ኣብ ፍርዲ ቀሪቦም’ ይብሉ ምንስትር ፈደራላዊ ጉዳያት


Dr. Sheferaw
Dr. Sheferaw
ገለ ኢትዮዽያውያን፣ዝተፈለየ ቋንቋ ተዛረብቲ ስለዝኾኑ ጥራሕ ካብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ተፈናቂሎም ዝብሉ ዜናታት ከምዝተሰምዑን፣ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ‘ውን መብርሂ ከምዝሃቡን ዝዝከር‘ዩ።

ኣብ ዞባ ካማሽ ቤንሻንጉል ጉምዝ ንዝተኸሰተ ምፍንቃል ስዒቡ ካብ ከባቢኦም ዝተፈናቀሉ ብፍላይ ኣምሓርኛ ተዛረብቲ ሓረስቶት ከምዝተመለሱ እውን ዶ/ር ሽፈራው ተክለማርያም ገሊፆም።

ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ግና፣ናይ ህዝቢታት ሓቢርካ ምንባር መንፈስ ንምምላስ ፃዕሪታት ይግበሩ‘ለው፣ተፈናቀልቲ እግሪ ንኽተክሉ ይግበር‘ሎ።ኩነታት‘ውን ናብ ንቡር ይምለስ‘ሎ ኢሎም።

ሕገ-መንግስቲ ኢትዮዽያ ኣብ ዓንቀፅ 32 ሰባት ኣብ ዝደለይዎ ከባቢ ናይ ምንባር ነፃነት ኣለዎም ይብል።ዓንቀፅ 88 ግና መንግስቲ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ሓድነትን ማዕርነትን፣ከምኡውን ሕውነት ሱር ንክሰድድ ናይ ምስራሕ ግዴታ ኣለዎ ይብል።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ካብ ድልየቶም ወፃኢ ናብ ክልል ዓፋር ዝተካለሉ ተጋሩ ኣለው።መሰረታዊ መሰልና ይጣሓስ‘ሎ ኢሎም ካብ ዘማርሩ ዊዒሎም ሓዲሮም‘ለው።ኣብ‘ዚ ቀረባ ኣብ ዝተሳለጠ ከባቢያዊ ምርጫ‘ኳ ኣይንሳተፍን ከምዝበሉ ጠቂሶምልና እዮም።

”ናባና ዝመፀ ፀገም የለን፣ዝበፅሓና ሪፖርት የለን።ግን ክነፃርዮ ኢና ኢሎም ምንስትር ፈዴራላዊ ጉዳያት።
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:26 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG