ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ቤንሻንጉል ግሙዝ ዝተባረሩ ኣሽሓት ሰባት ምርኣዮም ሓደ ኣባል ኣመራርሓ መኢኣድ ኣፍሊጦም


ኣይክልልኩምን ብዝብል ካብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ተባሪርና ዝብሉ ኣሽሓት ኣባላት ብሄረሰብ ኣምሓራ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከባቢታት ፍኖተ ሰላምን ቻግንን ብዓይኖም ምርኣዮም ሓደ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ውድብ ሓድነት መላእ ኢትዮጵያ/መኢኣድ/
ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ከባቢ ከተማ ኣሶሳ ካብ ዝርከብ ወረዳ ያሶ ተመዛቢልና ዝብሉ ኣሽሓት ኢትዮጵያዊያን ኣባላት ብሄረሰብ ኣምሓራ ኣብ ፍኖተ ሰላምን ቺግናን ብኣካል ተረኺቦም ሪአ ዝበሉ ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ውድብ ሓድነት መላእ ኢትዮጵያን ተፀዋዒ ምዕራብ ኢትዮጵያን ኣቶ ተስፋየ ታሪኩ እዮም።ተፈናቒልና ንዝብሉ ዝተወሰኑ ሰባት ከምዘዘራረቡ ዝገለፁ ኣቶ ተስፋየ ኣብ ፍኖተ ሰላም ጥራሕ ህፃውንቲ፣ደቂ ኣንስትዮ፣መናእሰይን ብዕድመ ዝደፍኡ ዓበይትን ዝርከቡዎም ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ሰባት ከምዝርኣዩ ኣረጋጊፆም።

ኣምሓርኛ ተዛርብቲ ኢኹም፤ተወለድቲ ክልል ኣምሓራ ኢኹም፤እዚ ከባቢ ኣይናትኩምን፤ብህፁፅ ውፁ፤ኢሎም ፖሊሳት ብግዲ ከምዘውፅኡዎም ኣቶ ተስፋየ ገሊፆም።
ማእኸለዎት ናይ ፅዕነት መኻይን ንመጎዓዝያ ካብ ጅቡኦም ክሳብ 360 ቕርሺ ኸፊሎም ክሳብ ከተማ ቡሬ ምጉዓዞም ከምዝገለፅሎም’ውን ኣቶ ተስፋየ ሓቢሮም።

ኣብ ሕገ መንስግቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ይኹን ኢትዮጵያዊ ኣብ ዝደለዮ ኽፋል እታ ሃገር ተንቀሳቒሱን ሰሪሑን ናይ ምንባር መሰል ኣለዎ ስለ ዝብል ካብ ጎንደርን ጎጃምን ናብቲ ከባቢ ብምዃድ ካብ ልዕሊ 20 ዓመታት ክሳብ ሓሙሽተን ሽዱሽተን ዓመታት ኣብቲ ከባቢ እናሰርሑ መነባብርኦም ይመርሑ ዝነበሩ ዜጋታት ምዃኖም ገሊፆምለይ ክብሉ እቶም ኣባል ኣመራርሓ መኢኣድ ሓቢሮም።

ኣብቲ ከባቢ ይነብሩ ኣብዝነበርሉ እዋን ግብሪ እናኸፈሉ ዝኾነ ይኹም ሕጋዊ ግቡኦም እናማልኡ ከምዝፀንሑን ሕዚ ግን ብዘይሓሰብዎ ኣገባብ ብህፁፅ ክትወፁ ኢኹም ብዝብል ከምዚ ዓይነት ግፍዒ ከምዝበፅሖምን ገሊፆምለይ ኢሎም።

ኣሽንዃይዶ ንብረትን ጥሪትን ንምሻጥ ወይ ፅዒኖም ናብ ትውልዲ ዓዶም ክወስዱን ኣባላት ስድራ ንኽራኸቡ’ውን ግዜ ከምዘይሃብዎም ኣቶ ታሪኩ ሓቢሮም።

ኣባላት ብሄረሰብ ኣምሓራ ካብ ክልል ቤንሻንጉል ግሙዝ ካብ ወረዳታት ያሶን ቡለንን ካብ ሕጊ ወፃኢ ብዝኾነ ኣገባብ ብሓይሊ ብዛዕባ ምብራሮም መብርሂ ንኽህቡና ናብ ሰበስልጣን እቲ ክልል ንዝሓለፉ ክልተ ማዕልታት ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰለጠን።ኣዲስ ኣበባ ንዝርከብ ፌደራል ፖሊስ ሓቲትና’ውን እቲ ጉዳይ ከምዘይምልከቶም ገሊፆምና ኣለው።

ዋና ኣምሓዳሪ ወረዳ ያሶ ዝኾኑ ኣቶ ታደሰ ሻምበል ዳኜ ኣዲስ ኣድማ ንዝተብሃለት ጋዜጣ ኣብዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ‘’ካብ ዝኾነ ይኹን ክልል ዝመፁ ሰባት ነቲ ወረዳ እንድሕ ዘይኣፍሊጦምን ዘይኣፍቂዶምን ዘይሕጋዊያን ስለዝኾኑ ናብ ዝመፅእሉ ንኽምለሱ ኣብ ስምምዕ በፂሕና ኢና’’ ኢሎም ኣለው።ካብ ገበንንካብ ናይ መንግስቲ ዕዳ ነፃ ምዃኖምን ዘረጋግፅ ናይ መሰነይታ ደብዳቤ እንድሕር ኣሚፂኦም ናይቲ ክልል መንግስቲ ኣየባርሮምን ኢሎም።

ኣቶ ታደሰ ‘’ዘይሕጋዊያን’’ ኢሎም ዝፀውዕዎም ሰባት ናብ ዝመፅእሉ ንኽምለሱ ዝተወሰነ ብፓርትታት ብኣዴን፣ኦሆዴውን ኣጋር ፓርቲ ብዝኾነ ብክልላዊ መንግስቲ ቤንሻንጉል ጉምዝን ምዃኑ ኣብቲ ቃለ ምልልስ ተዛሪቦም።
XS
SM
MD
LG