ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክሲ መራሒ 7 ጉንቦት ዶ/ር ብርሃኑ ነጋን ሓላፊ ኦሮሞ ሚድያ ኔትዎርክ ጀውሃር መሓመድን ተቛሪጹ


E.F.D.R Court
E.F.D.R Court

ኣብ ልዕሊ ኣቦ መንበር 7 ግንቦት ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ፣ ኣካያዲ ስራሕ ኦሮሞ ሚድያ ኔትዎርክ ጀውሃር መሓመድን ቴለቭዥን ኢሳትን ኦሮሞ ሚድያ ኔትዎርክን ዝተታሓዘ መስርሕ ክሲ ተቛሪጹ።

7 ግንቦትን ኦሮሞ ሚድያ ኔትዎርክን’ውን ግብረ መልሲ ሂቦም ኣለው። ጽቡቕ ዜና’ዩ ይብሉ።

ምክትል ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣቶ ተስፋይ ኣለምነው ሎሚ ምሸት ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ‘መስርሕ ክሲ’ዞም ዝተጠቕሱ ውልቀ-ሰባትን ትካላትን ምቁራጹ ኣረጋጊጾም’ ኣለው።

ወሃቢ ቃል 7 ግንቦት ኣቶ ነኣምን ዘለቀ ‘ልዑል ታሕጓስን ተስፋን ዝሃበና’ዩ ኢልና ኢና ንኣምን’ እንተኾነ ቅድሚ ሎሚ ዝተኸሰሱን ዝተኣሰሩን ኣባላትና ኣለው። ኣብ ልዕሊኦም ዝተታሓዘ ክሲታት ከምዝቋረጽ፣ ሕጊ ጸረ ግብረ-ሽበራን ካልኦት ዓፈንቲ ሕጊታት ክስረዙ’ዮም ኢልና ተስፋ ንገብር’ ኢሎም።

ኣካያዲ ስራሕ ኦሮሞ ሚድያ ኔትዎርክ ኣቶ ጀውሃር መሓመድ ብወገኑ ‘ኣብ ክንዲ ብጉልበት ብልዝብ፣ ኣብ ክንዲ ብጉስጢት ምዝርራብ እዩ ዝሕሸና ኢሎም ዝኣምኑ ውልቀ-ሰባት ናብ መሪሕነስ ሳላ ዝመጹ እዩ እዚ ነገር’ዚ ክዕወት ኪኢሉ’ በለ።።

ኩሎም ብገበን ሽብርን ኣብ ዘይተረኸቡሉን’ዮም ተኸሲሶም ነይሮም።

XS
SM
MD
LG