ድሕሪ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮዽያውን ዝተፈፀመ ክስተት፣ ኣባላት ማሕበረ-ሰብ ኢትዮዽያ ዝካትዕሉ መድረኽ ምፍጣር ኣገዳሲ ኮይኑ‘ሎ። ብመሰረት‘ዚ ንሎሚ ክልተ ኣጋይሽ ዓዲምና ኣዘራሪብና‘ለና።
ሓዲኦም ጋሻና ኣብ ሞንጎ ዳያስፖራ ኢትዮዽያውን ዝራኣይ ዘሎ ፖለቲካዊ ነውፂን ቅልውላውን፣ነፀብራቅ ፖለቲካዊ ኩነታት ውሽጢ ሃገር‘ዩ ክብሉ ከለው ካልኣይ ጋሻና ድማ ተቃወምቲ ዳያስፖራ ኣብ ኩሉ ፅፍሕታት ምቅዋም ዝብል ሕማም ስለዝሓደሮም‘ዩ ይብሉ።
ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኤምባሲ ኢትዮዽያ ኣብ‘ዚ ቀረባ ድሕሪ ዝተኸሰተ ተጓንፎ፣ ስለምንታይ እዩ ኣባላት ዳያስፖራ ኢትዮዽያውያን ኮሚኒቲ ክሳዕ ክንዲ‘ዚ ተራሓሒቆም? ንዝብል ሕቶ ኣብ ዘልዐለ ክትዕ ዝተሳተፉ ክልተ ተጋሩ እቲ ናይ ዳያስፖራ ኢትዮዽውያን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ፣ናብ ሓባራዊ ረብሓ ዘድሀበ ክኸውን ኣለዎ ይብሉ።
ኣጋይሽና ኣቶ ተስፋሁን ካሕሳይን ኣቶ ነጋሲ በየነን’ዮም።