ኮምሽን ሃገራዊ ምምኽኻር ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ስራሕቱ የሳልጥ ዘይምህላዉ ገሊፁ።
ወሃቢ ቃል ኮምሽን ሃገራዊ ምምኽኻር ኢትዮጵያ ጥበቡ ታደሰ ሎሚ ዓርቢ 12 ታሕሳስ 2016 ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ እቲ ኮምሽን ኣብ ክልቲኦም ክልላት ኣብ ምስራሕ ከምዘይርከብ ገሊጾም።
እቲ ኮምሽን ካብ ክልቲኦም ክልላት ወፃኢ ኣብ ካልኦት ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ተሳተፍትን ናይ ምምኽኻር ኣጀንዳ ኣቅረብትን ናይ ምፍላይ ስራሕ የሳልጥ ምህላው ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ'ሎ። ኣቶ ፅጋቡ ታደሰ ኣብ መግለፂኦም ኣብ ክልል ትግራይን ክልል ኣምሓራን ብዘሎ ኩነታት ምኽንያት ስርሑ ንምቅፃል ብዛዕባ ክስዕቦም ዝግብኡ መገድታት ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ይዘራረብ ምህላዉ'ዉን ገሊፆም።
ንሶም ኣብ ክልል ኣምሓራ ንኣዋርሕ ዝቀፀለ ኲናት ኣብ ክልል ትግራይ ድማ ካብ ናይ ኲናት ሃዋህው ኣብ ምውፃእ ዝርከብ ክልል ብምዃኑን ካልኦት ዝተሓላለኹ ፀገማት ዘለዎ ኾይኑ እቲ ማሕበረሰብ ተረጋጊኡ ብብዝሕን ብንቅሓትን ዝሳተፈሉ ኣገባብ ንኽፍጠር ግዜ የድልዮ እዩ ብዝብል ምዃኑ ገሊፆም። ኮምሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ መሰረታዊ ጉዳያት ንዘይሰማምዓ ከባቢታት ጠንቂ ጎንፅን ፍልልያትን ካብ ዝኾኑ ሃገራዊ ጉዳያት ክመኻኸሩ ኣብ ምርድዳኣት ክበፅሑን ተባሂሉ ብኣዋጅ ካብ ዝምስረት ክልተ ዓመት ከቑጽር ውሑዳት ኣዋርሕ እዩ ዝተርፎ: ይኩን'ምበር ብቀንዱ ኣብታ ሃገር ዘጋጠሙ ጎንፅታት እቲ ንሰለስተ ዓመታት ዝተጣየሸ ኮምሽን ብመሰረት መደቡ ንኸይጓዓዝ ከምዝዓገትዎ ዋና ኮምሽነር እቲ ኮምሽን መስፍን ኣርኣያ ቅድሚ ወርሒ ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ገሊፆም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።
ቅጥዒ