ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ካብ ኣዲስ ኣበባ ውፅእ ኢላ ኣብ እትርከብ ከተማ ለገጣፊ ለገዳዲ ንሸውዓተ ነበርቲ ምእሳሩ ተፈሊጡ


ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ውፅእ ኢላ ኣብእትርከብ ከተማ ለገጣፎ ለገዳዲ ፖሊስ ንሸውዓተ ሰባት ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣብ ጥሕቲ ቁፅፅር ምውዓሉ ተፈሊጡ።ዝተኣሰርሉ ምኽንያት ብትኽክል እንተዘይተፈልጠ’ውን ትማሊ ምሸት ብቪኦኤ ብዛዕባ ናይታ ከተማ ትሕዝቶ መሬት ምስ ዝተመሓላለፈ ፀብፃብ ዝተተሓሐዘ ከምዝኾነ ይግመት።
ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝርከቡ ኣቶ መኮነን ተስፋየ፡ኣቶ ገመቹ ወርቁ፡ኣቶ ሲሳይ ለማ፡ኣቶ ጌታቸው ተፈራ፡ኣቶ ድሪባ ጉዳ፡ኣቶ ምትኩ ንጉሱን ኣቶ እንዳልካቸው መንግስቱን ዝተብሃሉ ነበርቲ እዮም።
ፖሊስ ናይ መትሓዚ ትእዛዝ ትማሊ ካብ ቤት ፍርዲ ምውፅኡ ይግመት።
ፖሊስ ናይቶም ተኣሰርቲ ገዛውቲ ንምፍታሽ ትእዛዝ ዘይሓዘ እንተኾነ’ውን ናይ ኩሎም መንበሪ ገዛውቲ ምፍታሹ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንቪኦኤ ገሊፆም ኣለው።
ኣብቲ ፍተሻ ካብ ዝተወሰዱ ሰነዳት ናብ ትሽዓተ ሚእቲ ዝፅግዑ ነበርቲ ከተማ ለገጣፊ ለገዳዲ ናይ መንበሪ ትሕዝቶ መረጋገፂ ካርታ ንኽውሃቦም ጥርዓን ዘቕረብሉ ዝርዝር ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ።
ዳኛ ቤት ፍርዲ እታ ከተማ ኣብ ፖሊስ ጣብያ ብኣካል ተረኺቦም ከምዝነበሩን ንተኣሰርቲ ከምዘዘራረቡዎምን ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ምንጭታት ተዛሪቦም ኣለው።
እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝወዓሉ ናይ ዋሕስ መሰሎም ተሓሊዩሎም ንኽፍትሑ እንተሓተቱ’ውን ከምዘይተፈቐደሎም ተፈሊጡ’ሎ።
ዓቃቢ ሕጊ ነቲ ጉዳይ ኣፃሪዩ ዝቕፅል ሰሉስ 29 መስከረም 2005 ዓ/ም ናብ ቤት ፍርዲ ንከቕርቦም እቶም ዳኛ ትእዛዝ ሂቦም ኣለው።
XS
SM
MD
LG