ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ንተወለድቲ ትግራይ ትኣስር ኣላ


ኢትዮጵያ ንኣሽሓት ተወለድቲ ትግራይ 'ከሓድቲ እዮም' ብዝብል ክሲ ኣብ መላእ ሃገር እናሓፈሰት ናብ ቤት ማእሰርቲ ትዳጉኖም ከምዘላን መብዛሕቲኡግዜ ብዘይክሲ ንኣዋርሕ ከምዝእሰሩን ኣሶሺየትድ ፕረስ ፀብፂቡ ኣሎ።

መንግስት ኣብ ትግራይ የካይዶ ዘሎ ውግእ ሻድሻይ ወርሑ ኣብ ዝሓዘሉ ዕላማ ማእሰርቲ ወታደራውን ስቪላውን ሰራሕተኛታት ኣብ ሓደ እዋን ይዕብልሉዎም ካብ ዝነብሩ መንግስታዊ ትካላት ንተወለድቲ ትግራይ ንምፅራግ እዩ።እንተወሓደ ኣብ ትሽዓተ ቦታት ዝተትሓዙ እሱራት ብበዝሕን ብሃበ ተረኽበን ስፍሕ ዝብለን ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ካብ ዝሃበትሉ ወይ ካብ ዝኣመንትሉ ኣዚዩ ዝለዓለንእዩ።ሓል ሓሊፉ ብሄራዊ መንነት ብሕታዊ ምኽኒያት ማእሰርቲ እዩ።

እሱራት፣ስድራታትን በፃሕትን እማእቲ ዋላ እውን ልዕሊ 1,000 ሰባት ኣብ ወታደራዊ መደብራትን ናይ ሕርሻ ኮሌጅን ሓዊሱ እንተወሓደ ኣብ ትሽዓተ ቦታት ተዳጕኖም ከምዝርከቡ ይገልፁ ።

መንግስቲ ናይ ሰላም ኖቤል ተሸላሚ ኣብይ ኣሕመድ ውሱን ቁፅሪ ንዘለዎም ትግራዎት ላዕለዎት ወታደርዊ ሰበስልጣን ምእሳሩ ኣሚኑ ኣሎ።Associated Presse\AP\ንፈለማ ግዜ ከምዝፀብፀቦ ግን እቲ ካብ ካህናት ክሳብ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዝተዘርግሐማእሰርቲ ኣዚዩ ዝሰፍሐን ብሃበተረኽበ ዝፍፀምን እዩ።

ሓደ ወታደራዊ እሱር ንAP ኣብ ዝሃቦ ቃል ምስ ካልኦት ልዕሊ 400 ትግራዎት ተኣሲሮም ከምዝርከቡን ምስ ጠበቓታቶም ክራኸቡ ከምዘይተፈቐደሎምን ገሊፁ። ዋላ ስድርኦም እውን ክሪኡዎም ኣይክእሉን።AP ንደሕንነቱ ክብል ሽም ናይዚ ሰብ ኣይፀርሕን፤ ንወታደራዊ መንነት ወርቐቱ እውን ሪኡ ኣሎ።

‘’ዝደለዩዎ ነገር ክገብሩ ይኽእሉ’'ኢሉ እዚ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከብ ወታደር ተሓቢኡ ብዝኣተወ ቴሌፎን ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ቃል።’’ክቐትሉና ይኽእሉ፤ኣብ ኢዶም ኢና ዘለና፤ካብ ምፅላይ ካሊእ ምርጫ የብልናን’’ኢሉ።

ብዙሓት ሰራሕተኛታት ውትድርና ተዋጋእቲ ኣይነበሩን። መምህራንን ነርስታትን እውን ኣለው ብመሰረት ምስ 15 እሱራትን ስድራታት እሱራትን ዝተኻየደ ቃለ ምልልስ።ብመንግስቲ ኣብ ዝውነኑ ኩባኒያትት ዝሰርሑ ስቪል ሰራሕተኛታት እውን ተታሒዞም ይርከቡ።

ዕጡቓት ዘይኮኑ ሰባት ብሃበተረኽበ ምድጓን ምስ ዓለምለኸ ሕጊ ዝራፀም እዩ ክብል ምስ ኣባላት ስድራ እሱራት ዝተራኸበን ንናይ AP ሕቶታት መልሲ ንምሃብ ዘይደለየን ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ሓቢሩ።

ኩነታት ዝተፈላለዩ እንተኾኑ እውን ገለ እሱራት ኣብ ማዕልቲ ሓደ ምግቢ ጥራሕ ይውሃቦም።ለበዳ ኮቪድ 19 ብቕልጡፍ ይስፋሕፋሕ ኣብዘለሉ ዓሰርተታት እሱራት ብቆርቆሮ ኣብ ዝተሰርሐ መፅለሊ ተዳጊኖም ይርከቡ። ስድራታት ኣገደስቲ ዝኾኑ መድሓኒታት ከይኽልከል ይጭነቑ ኣለው።AP ዝተኸታተሎም እሱራትን ስድራታትን ክግረፉ ወይ ኣካላዊ መግሃስቲ ብቐጥታ ኣይርኣየን።ግን ዳርጋ ኩሎም ክብሃል ይክኣል ንህይወቶም ብምስጋእ መንነቶም ከይፍለጥ ዝሓተቱ እዮም።

ተጋሩ ሓደ ግዜ እንተድኣ ተታሒዞም መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብ ኢትዮጵያ ግልፂ ኣብ ዘይኮነ ወታደራዊ ናይ ፍትሒ ስርዓት ንባዕሎም ይረኽቡ።እዚ ማለት ድማ ናይ ውልቆም ጠበቓ ናይ ምቑፃር መሰሎም ይስእኑ እሞ ንዝለዓለ መቕፃዕቲ ምስ ዳኛ ይራኸቡ።እቶም እሱራት ንማእሰርቶም ንምክርኻር ዘለዎም ዕድል ዝተሓተ ብምዃኑ ተስፋ ምቑራፅ ከምዝስምዖምን ዕድሎም ኣብ ኢድ እቶም ብክሕደት ዝኸሰሱዎም ሰባት ከምዝወደቐን ይገልፁ።

ሓንቲ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ እትነብር ትግራወይቲ ኣብ መንጎ ወታደራት ዝካየድ ኵናት እትርዳእ እንተኾነት እውን ናይ ምውጋእ ታራ ዘይብሎም ኣብ ኮምኒኬሽንን ምኽባር ሰላም ዝሰርሑን ክልተ ኣኮታታ ምእስራኦም ትቃወም።ሓደ ካብቶም እሱራት ካብ ሕዳር ጀሚሩ ኣይተርኣየን።

‘’እቲ ሓደጋ ኣብ ደሞም ድዩ ዘሎ ኣብ DNA?’’ብምባል ትሓትት።’’ኢትዮጵያዊያን ይመስሉኒ ነይሮም’'ክትብል ትውስኸሉ።

እቲ ጃምላዊ ማእሰርቲን ናይ ገዛ ማእሰርትን መቐፀልታ መሰኻኽር ንልዕሊ ሽዱሽተ ሚሊዮን ትግራዎት ንምጥፋእ ዝካየድ ዘሎ ጭፍጨፋ፣ጉጅላዊ ፆታዊ መድፈርቲ፣ምብራርን ብኣስገዳድ ምጥማይን ክብሉ ዝገለፁዎ እዩ።እቶም ማእሰርታት ዘድንቑ እዮም ምኽኒያቱ ኣብይ ኣሕመድ ንኣሽሓት ፖለቲካዊ እሱራት ብምፍትሖም ኣብ ሓደ እዋን ዝተንኣድሉ ስለዝነበረ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ትግራይ ገበነኛታት ኢሉ ዝፀውዖምን ደገፍቶምን ንዝብሎ ብምጉላህ እውን ትግራዎት ዒላማ መንግስታዊ መረኽቢ ማዕኸናት እዮም።ኣባላት ስድራ እሱራት ሓል ሓሊፉ ካብ ስርሖም ይባረሩ፣ካብ ወታደራዊ መንበሪኦም ይባረሩ፣ባንኪ ኣካውንቶም ከይንቀሳቐስ ይግበር።

ንኣስታት ሰላሳ ዓመታት ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ዓፋኒ መንግስቲ ፍሉጣት ዝነበሩ መራሕቲ ትግራይ ዘርኢ መሰረት ዝገበረ ፖለቲካ ብምንድጋፎም ብቀዳማይ ምንስቴር ኣብይን ካልኦትን ይውቀሱ።ዶክተ ኣብይ ኣብ 2018 ኣ\ፈ ስልጣን ምስ ሓዙ ግን ግልስ ኢሎም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሃገራዊ ምርጫ ምስተናውሐ ናይ ባዕሎም ምርጫ ብምክያድ ንናይ ኣብይ መንግስቲ ዘይሕጋዊ ክብሉ ፀዊዖምዎ።መንግስቲ ኢትዮጵያ ተዋጋእቲ ትግራይ ንወታደራዊ መደብር ኣጥቒዖም ክብል ብምኽሳስ ንኣሽሓት ሰባት ዝቐተለ ወታደራዊ ወፍሪ ፈኒዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ደድሕሪ ‘’ላዕለዎት መራሕነት’’ ናይ ቀደም ኣማሓደርቲ ትግራይ እዩ ኢሎም ኣብ ብሪታኒያ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ምንስቴር ፓብሊክ ዲፕሎማሲ መኮነን ኣማረ ንAP ኣብ ዝሃብዎ ቃል።’’ስለዚ ጃምላዊ ማእሰርቲ ወይም ጃምላዊ መግሃስቲ መሰላት ዝብሃል የለን’’ኢሎምኣቶ መኮነን።

ቅድም ክብል ብኢንተርኔት ልሒኹ ዝወፀ ቪድዮን ብAP ዝተረጋገፀን ሓደ ላዕለዋይ ወታደራዊ ብዓል ስልጣን ብዛዕባ ትግራዎት ‘'ውሽጥና ክነፅሪ ነይሩና ...ዋላ ኣብ ማእኸሎም ብዙሓት ጥዑያት ሰባት እንተሃለው እውን እቲ ፅቡቕ ካብቲ ክፉእ ክንፈልዮ ኣይንኽእልን።ነታ ሃገር ንምድሓን ከይሰርሑ ክግለሉ ገይርናዮም’’ሎሚ ሓይልታት ፀጥታ ‘’ምሉእ ብምሉእ ኢትዮጵያዊያን እዮም’’ኢሎም ብርጌደር ጀነራል ተስፋየ ኣያሌው ኢሎም ኣብ ሓደ ናይ ውሽጢ ኣኼባ ዝመስል መብርሂ ።

ዘርኢ መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ሪፖርት ዝግብረሉ ናይ ስልኪ መስመር ከምዝኸፍት ዝገለፀ ቤት ፅሕፈት ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ይኹን ወታደራዊ ወሃቢ ቃል ካብ AP ዝቐረበሎም ሕቶታት ኣይመለሱን።ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ሰባት ኣብ ካምፕታት ይእሰሩ ንዝብሉ ፀብፃባት ኣየረጋገፀን ይኹን እምበር ብናይ ትግራይ ቅልውላው ብዝሓደሮ ሻቐሎት መብዛሕቲኡ ንፀጥታ ንኢትዮጵያ ዝውሃብ ሓገዝ ጠጠው ከምዝበለ ገሊፁ ኣሎ።

ብናይ ልቓሕ ስልኪ ድምፁ ኣትሕት ኣቢሉ ካብ ማእሰርቲ ንAP ቃሉ ዝሃበ ካሊእ ትግራዋይ ምስ ካልኦት ልዕሊ 30 ናይ ነፈርቲ ኣብረርቲ \ፓይሌታት\ ቴክኒሻናትን ካልኦት ወታደራዊ ሰራሕተኛታትን ብዘይክሲ ተታሒዝና ኣለና ኢሉ።ስድራታት ኣባላት ስድርኦም ኣበይ ከምዘለው ከምዘይፈልጡ ወላዲት ኣዲኡ ኣብ ርሑቕ ኣብ ስራሕ ዘሎ ከምዝመስለን ይገልፅ።ካብ ወታደራዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ንምርካብ ተስፋ ከምዝቖረፀ እውን ይገልፅ።

‘’ሰላም እንተመፂኡ ምናልባሽ ክፈትሑና ይኾኑ’’ ኢሉ ንሱ ‘’ተዘይኮይኑ ግን ናይ ዝሓዋሩ ተስፋ የብልናን። ክቐትሉና እዮም ኢለ እውን እሰግአ እየ’’ ምስ በለ ናይ ስልኪ ቃሉ ብቕፅበት ዛዚሙዎ።

ግምት በዝሒ እሱራትን ካፕታትን ይፈላለ እዩ። ብመሰረት ንሓደ ተመራማሪ ዝ ሃቡዎ ግምት ነበር ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ኢትዮጵያን ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ መስራቲ ኢንስቲትዩት መፅናዕትታት ሰላምን ፀጥታን ዝኾኑ ትግራዋይ ሙሉጌታ ገብረሂወት በርሀ እቲ ኵናት ክጅምር ከሎ ካብ ሰራዊት እታ ሃገር ጥራሕ ልዕሊ 17,000 ሽሕ ትግራዎት ተኣሲሮም እዮም ይብሉ።

ብእሱራት፣ስድራታት እሱራትን በፃሕትን ዝተፈለጡ እንተወሓደ ትሽዓተ ማእኸላት ሓዊሱ APብርክት ዝበሉ ካልኦት ኣብ መላእ እታ ሃገር ከምዘለው ክሲ ካብ ዝቕርቡሎም ናይ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ዝርዝራት ረኺቡ ኣሎ።

ሓደ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከብ ማእኸል ሚራብ ኣባያ ዘምለጠ እሱር ኣብኡ ጥራሕ ልዕሊ 1,500 ሰባት ተታሒዞም ከምዝርከቡ ይገልፅ።

ኣብ ካልኦት ክልተ መዳጎኒታት ዝበፅሐ ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ጥራሕ መብዛሒቶም ወታደራዊ ኣዘዝቲ ዝኾኑ 110 ሰባት ከምዝፈቐደን ኣብቲ ካልኣይ ድማ መብዛሕቲኦም ኮማንዶን መኮነናት ሓይሊ ኣየርን ዝኾኑ 270 ከምዝቖፀረ ገሊፁ ኣሎ።ገሊኦም ኣብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ዘገልገሉን ጉድለት ስነ ምግባር ዘይነበሮምን እዮም ይብል።ካብ 40 ክሳብ 50 ብቆርቆሮ ኣብ ዝተሰርሕ ሓደ ክፍሊ ከምዝነበሩ ይገልፅ እዚ በፃሒ።እቶም እሱራት ብጉጅለ ክዘራረቡ ከምዘይፍቀደሎም ወይ ስድርኦም ከምዘይሪኡዎም ወይ ብስልኪ ክራኸቡ ከምዘይፍቀደሎምን እኹል ምግቢ እውን ከምዘረኽቡን ከምዝተዛረቡዎ ይገልፅ።

‘’እቲ ቦታ ኣዚዩ ሃሩር፣ኣዚዩ ኣዚዩ ሃሩር እዩ፣ፅቡቕ የለውን’’ኢሉ እቲ በፃሒ።እቲ በፃሒ ናብቲ መዳጎኒ ናይ ምምልላስ ዕድል ንዘይምዕፃው AP ካብዚ ንላዕሊ ኣይገለፀን።ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ 20 ቦታታት ሰባት ተኣሲሮም ከምዝርከቡ ይዛረብ።

‘’ትፈልጥ ዲኻ ዘፍርሕ እዩ’’ ኢሉ ንሱ።’'እቶም ሰባት ንሃገሮም ዘገልግሉ ወታደራት እዮም ነይሮም ግን ብመንግስቶም ተጠቒዖም.....በቲ ማሕበረሰብ ከም ከድዓት እዮም ተራእዮም፤ስለዝኾነ ድማ ብዛዕባ ስድርኦም ኣዚዮም እዮም ዝጭንቑ ዘለው’’ኢሉ።

ስድርኦም ድማ ብዛዕቦም ይሻቐሉ።ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብር ሓደ ኣብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሰራሕተኛት ምምሕዳር ሓይሊ ሰብ ንዝነበረት ወላዲት ኣዲኡ ንዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ሪኡዋን ኣዘራሪቡዋን ከምዘይፈልጥ እናነብዐ ይዛረብ።ናይ ሓው ስድራ ድማ ካብ ወታደራዊ መነበሪ ብሓይሊ ክወፅእ ከምዝተገብረ ብምግላፅ ኣብ ደገፍ ዝተደርበየ ናይ ገዛ ኣቑሑት ዘርኢ ፎቶግራፋት የርኢ።

‘’ንሃገሩ ብእምነት የገልግል ነይሩ’'ኢሉ እዚ ሰብ እዚ ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ ‘’እቲ ኩነታት ፅቡቕ የለን፤ንዓይ ጥራሕ ኣይኮነን ንኩሉ ትግራዋይ’'ይብል።

ካሊእ እሱር ኣብ ጎረቤት ሃገር ኣብ ተልእኾ ምዕቃብ ሰላም ተዋፊሩ ከገልግል ድሕሪ ምፅናሕ ናብ ኢትዮጵያ ተፀዊዑ ከምዝተሓዘ ውላዱ ይዛረብ።ብዋሕስ ወፂኡ። AP ንዝተፈትሐሉ ሰነድ ቤት ፍርዲ ፌደራል ሪኡዎ ኣሎ።ግን ዋላኳ ኣብታ ሃገር እንተዘይነበረ እውን ዘይምርግጋእ ትፈጥር ኣለኻ ብዝብል ክሲ መሊሶም ናብ ወታደራዊ ካምፕ ኣእትዮምዎ ይርከቡ።

‘’ትማሊ ኣዛሪበዮ ነይረ።ኣብ ወጥሪ ዘሎ ይመስል’’ኢሉ ውላዱ።’'ወታደራት ብሕቡእ ስልኪ ሂቦምዎ።ሕቡን ሰብ እዩ’’በለ ብምውሳኽ።ወላዲ ኣቡኡ ብሰንኪ ሕፅረት ምግቢ ኽብደቱ ኣስታት ዓሰርተ ኪሎ ከምዝነከየ ይገልፅ።

ሓደ ብፌደራል ቤት ፍርዲ ብዋሕስ ዝተፈትሐ ሰብ ናብ ወታደራዊ ስርዓት ምትሕልላፍ ሕጋዊ ኣይኮነን ይብሉ ምስ 75 ጉዳያት ኣባላት ሰራዊትን ፌደራል ፖሊስን ዝነበሩ ተጋሩ ዝሰርሑ ናይ ሕጊ ጠበቓ ታደለ ገብረመድህን።ኣብ ወሰን ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ ሓደ መዳጎኒ ከይዶም ዝርኣዩዎ ክገልፁ ከለው ጠበቓ ታደለ ኣብ ሓንቲ ክፍሊ 25 ሰባት ከምዝድቅሱ፣ምግቢ ኣብ ማዕልቲ ሓደ ግዜ ከምዝወሃቦምን ስድርኦም እውን ከምዘይሪዎምን እዩ።’’ንፁሃን እዮም’’ ኢሎም ጠብቓ ታደለ‘’እቲ እንኮ ነገር ተወለድቲ ትግራይ ምዃኖም ጥራሕ እዩ’’ በሉ ኣስዒቦም።

ስቪላት እውን ተታሒዞም ይርከቡ።ሓደ ሰራሕተኛ ብመንግስቲ ዝውነን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዋሕስ ምስተፈትሐ ንሃገሩ ራሕሪሑ ከምዝሃደመ ይዛረብ።

‘’ሎሚ ብጣዕሚ ኢና ንደልየካ’’ኢሎምኒ ክብል ይዝክር ሓደ ሰራሕተኛ ፌደራል ፖሊስ ብዘይዝኾነ ይኹን መብርሂ ካብ ገዝኡ ክወስዱዎ ከለው።ካብ መወዳእታ ሕዳር ክሳብ መወዳእታ ጥሪ ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣስታት 100 ላዕለዎት ወታደራዊ ሰበስልጣን ከምዝርኣየ ይገልፅ።

ዓሰርተታት ቀሳውስቲን ዲያቆናትን እውን መብዛሕቲኦም ንሓደ ወርሒ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣሲሮም እዮም ይብሉ ኣብ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ሓላፊ ክፍሊ ላይብረሪን ሙዚየምን ዝኾኑ ልሳነወርቅ ደስታ።ኣብ ጥቓ ሓረር ልዕሊ 2,000 ዝግመቱ ኣባላት ሰራዊት ተኣሲሮምሉ ኣብ ዝርከብ ማእኸል ምስ ዝርከብ ሓደ እሱር ምዝርራቦም እውን ይገልፁ።

‘’ቃላት የብለይን።ከምዚ ዝበለ ፅልኢ ከመይ ገይረ ክገልፆ እኽእል?’’ኢሎም ይሓቱ።

ካብ ካምፕታት ወፃኢ በዝሖም ዘይፍለጡ ትግራዎት ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ይርከቡ።ሓደ ንAP ቃሉ ዝሃበ ሰብ ሓንቲ ምስ ሰራዊት ትሰርሕ ነርስ አደ እቲ ኵናት ካብ ዝጅመር ካብ ስርሓ ተኣጊዳ ካብ ገዛ ከይትወፅእ ከምዝተገብረት ይገልፅ።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ትግራዎት ብሃበ ተረኽበ ይእሰሩ ከምዘለው ዝሕብሩ ፀብፃባት ከምዝፈልጥ ብምግላፅ ‘’ብሰንኪ ጉድለት ግልፅነት’’ ግን ዘተኣማምን ግምት ከምዘይብሉ ሓቢሩ ኣሎ።

መንግስቲ ዘጣየሾ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ንሕቶታት AP ኣይመለሰን።ኣብ ክንድኡ ብዛዕባ ትግራዎት እሱራትን ብሄር መሰረት ዝገበረ ምንክልባትን ዘውፅኦ መግለፂ ልኢኹ።እቲ ኮሚሽን ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ምኽልካል ፍትሓዊ ፍርዲ፣ስድርኦም ከይሪኡዎም ምኽልካል፣ሕክምና ከይረኽቡ ምኽልካል ኣብ ብዙሓት መዳጎኒታት ብስፍሓት ኣሎ፤መብዛሕቲኡ ግዜ እሱራት ኣበይ ከምዘለው ንእስድሮም ክዛረቡ ከምዘይኽእሉ ገሊፁ ኣሎ።

እቲ ኮሚሽን ኣብ መጀመሪያ እዚ ዓመት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ናይ ፌደራል ማእኸል ተታሒዞም ንዝርከቡ 21 እሱራት ኣዘራሪቡ ኣሎ።ገሊኦም ‘'ቅድሚ ፍርዲ ዝተናውሐ ማእሰርቲ፣ከምዝፅረፉ፣ምፍርራሕ ከምዝበፅሖም፣ከምዝተወቕዑን ኣብ ቁፅፅር ክውዕሉ ከለው ብጥይት ምቑሳሎምን’'ገሊፆም ኣለው።ይኹን እምበር እቶም እሱራት ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ጥዕናን ቅቡል ዝኾነ ደረጃ ኣብ ዘለዎ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ ኢሉ ኣሎ እቲ ኮሚሽን።

ትግራዎት ግን ንናይቲ ኮሚሽን ኣበሃህላ ይሙግቱዎ። ኣብ ጎርቤት ደቡብ ሱዳን ኣባላት ተልእኾ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት መንግስታት ዝነበሩ ልዕሊ ደርዘን ወታደራት ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ነፋሪት ኣይንሳፈርን ኢሎም ተረፎም።

እቶም እሱራት ቀፂሉ ዘጋጥሞም ኣይፍለጥን።ንAP ቃሎም ዝሃቡ ክልተ ሰባት ናይ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ፖለቲካዊ ፓርቲ ንምፍላጥ ዝወሃብ ኣስትምህሮ ሓዊሱ ንዕኦም ዳግም ናይ ምምሃሩ ወፍሪ ተጀሚሩ ኣሎ ይብሉ። ሓደ ንAP ቃሉ ዝሃበ ወዲ ሓው ኣብኡ ስልጥና ምውሳዱን ካሊእ ሰብ ድማ ኣብ ቀረባ ስልጠና ክጅምር ከምዝገለፅሎም ይሕብር።

ንመንግስቲ ህዝልዎ ሓደጋ እቲ ማእሰርቲ ኣብ ሓደ እዋን ተኣማንነቶም ዝገለፁ ተወለድቲ ትግራይ ናብ ንቑሓት ተቓዋምነት ክልውጦም ይኽእል ዝብል እዩ።

ፓይለት ሓይሊ ኣየር ተኽለብርሃን ወልደስላሴ ንሱን መሳርሕቱን ሎሚ ይድለዩ ምስ ዘለው ናይ ትግራይ መራሕቲ ርክብ ኣለኩም ተባሂሎም ከምዝተኸሰሱ ይገልፅ።ካብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ኣምሊጡ ካብታ ሃገር ወፂኡ ኣሎ።መሳርሕቱ ኣብ ደብረ ዘይት ኣብ ጥቓ ዋና ቤት ፅሕፈት ሓይሊ ኣየር ተኣሲሮም ካብ መንጎ ዝርከቡ 1,000 ዝግመቱ ተጋሩ ምዃኖም ከምዝነገሩዎ ይገልፅ።

ከሓዲ ተባሂሉ ምጥርጣሩ ዝሰንበደ ንሱ ኢትዮጵያ ንተወለድቲ ትግራይ ዝሓዘትሉ ኣገባብ ካብ ምጉሃዩ ዝተልዓለ ሕዚ ብረት ንምልዓል ድልየት ኣለዎ።

‘’ቀደም ኣብ ጎኒ ትግራይ ኮይነ ንምውጋእ ትልሚ ኣይነበረንን’’ኢሉ ተኽለብርሃነ ‘'ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ዕድል እንተረኺበ ብርግፅ እወ! ንህዝበይ ክከላኸል እየ’’በለ ወሲኹ ተኽለብርሃን ወልደስላሰ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኢትዮጵያ ንተወለድቲ ትግራይ ትኣስር ኣላ
please wait

No media source currently available

0:00 0:14:56 0:00


XS
SM
MD
LG