ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተታሒዞም ዝነበሩ ነበርቲ ለገጣፎ ለገዳዲ ተፈቲሖም


ዝሓለፈ 25 ዓርቢ 2005 ዓ/ም ካብ መንበሪ ገዛውቶም ብፖሊስ ዝተትሓዙ ነበርቲ ለገጣፎ ለገዳዲ ተፈቲሖም።ኩሎም ተታሒዞም ዝነበሩ እዞም ሽዱሽተ ሰባት ቀዳም 26 መስከረም 2005 ዓ/ም ናብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ሰንዳፋ ምስቀረቡ እቲ ቤት ፍርዲ ሕድ ሕዶም ብናይ ሰልስተ ሕሽ ቕርሺ ዋሕስ ከምዝሰደዶም ተፈሊጡ።
ህዝቢ ንተግባር ፀረ ልምዓት ብምልዕዓልን መንግስቲ ሞይቱ እዩ ኢልኩም ብዝብልን ፖሊስ ከምዝጠርጠሮምን ነቲ ዝተብሃለ ፈፂሞም እንተኾይኖም ከምዝሓተቱዎም ካብ መንጎ እቶም ዝተፈትሑ ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃል ሓቢሮም።ከምዚ ዝበለ ቕስቀሳ ከምዘይፈፀሙን ምስ ትሕዝቶ መሬት ብዝተኣሳሰረ ጥርዓን ጥራሕ ምቕራቦን ነቲ ቤት ፍርዲ ምግላፆም’ውን ሓቢሮም ኣለው።
ቪኦኤ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ 24 መስከረም 2005 ዓ/ም ቪኦኤ ንነባር ነበርቲ እታ ከተማ ኣዘራሪቡ ንናይ ሕርሻ መሬቶም እኹል ክፍሊት ከምዘይተውሃቦምን ናይታ ከተማ ምምሕዳር ኣታሊሉና ዝብል ጥርዓኖምን ምፅብፃቡ ይዝከር።
XS
SM
MD
LG