ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕገ-መንግስታዊ ትርጉም ምፍታሕ ሰበ-ስልጣን ደርግ


መንግስቲ መብርሂ ይሃበሉ ይብሉ ናይ ሕጊ ሙሁራት (ካልኣይ ክፋል)

ሰበ-ስልጣን ደርግ ዝተፈትሕሉ ምኽንያት እንታይ ከምዝኾነ መንግስቲ ኢትዮዽያ መግለፂ እንተዝህበሉ‘ዩ ዝሓሸ'ዩ ኢሎም ዘረበኦም ዝጀመሩ ኣቶ መሓሪ ረዳኢ፣ሰበ-ስልጣን ደርግ-ነበር ዝተፈትሕሉ ምኽንያት ክኾኑ ይኽእሉ‘ዮም ኢሎም ዝጠቀስዎም ሓደ ኣብ ሞንጎ ሰብ-ሞያ ሕጊ ናይ ዓንቀፃት ኣፈላላይ ክህሉ ስለዝኽእል፣ናይ መንግስቲ ኣማኸርቲ ሕጊ ንዓንቀፅ 28 ብዝተፈለየ ኣገባብ ተርጉሞምዎ ክኸውን ይኽእል። ካልኣይ መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያ እቶም ሰበ-ስልጣን ንክፍትሑ ድፍኢት ይገብሩ ስለዝነበሩ፣መንግስቲ ነዞም መራሕቲ ሃይማኖት ግቡእ ከበሬታ ንምሃብ ኢሉ ዝወሰዶ ስጉምቲ ክኸውን ይኽእል ይብሉ።

ዶ/ር ኣሰፋ ፍስሃ ብወገኖም፣እቶም እሱራት ነበር ዕድሚኦም ዝደፍኡ ምኻኖም፣እቶም መራሕቲ ሃይማኖት‘ውን ዝፃዕሩሉ ምስ ምኻኑ ካብኡ ሓሊፉ ”ዘይተኸልከለ ፍቅድ’ዩ” ብዝብል ኣምር፣ዓንቀፅ 28 ተተርጒሙ ዕድመ-ይፍታሕ እንድሕር ይፍቀድ ኮይኑ ብኣመክሮ‘ውን ምፍታሕ ይካኣል‘ዩ ናብ ዝብል መደምደምታ ተበፂሑ‘ሎ ይብሉ።ዶ/ር ኣሰፋ ወሲኾም፣ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ኢትዮዽያ ሓድሽ ምዕራፍ ንምኽፋት ተባሂሉ፣መንግስቲ ዝተወሰነ ምሕረት ብምግባር ንፖለቲካዊ ሃዋሁ ምቅያር፣እቲ ሓድሽ ወለዶ‘ውን ናይ ብቀላ ፖለቲካ ዘይኮነስ ሓድሽ ፖለቲካዊ ኩነታት ምጥጣሕ መሪፁ ክኸውን ይኽእል‘ዩ ዝብል ግምት ሂቦም።

ክልቲኦም ሙሁራት፣መንግስቲ መራሕቲ ደርጊ ዝተፈትሕሉ ባይታ እንታይ ከምዝኾነ ንህዝቢ ክገልፁ ይግባእ ኢሎም።

ሕገ-መንግስቲ ኢትዮዽያ ኣብ ዓንቀፅ 28 “ሓደ ብገበን ሰብኣዊነት ዝተኸሰሰ ውልቀ-ሰብ ብምሕረት ወይ ብይቅሬታ ክፍታሕ ኣይኽእልን፣ርእሰ-ብሄር ግና ንናይ ሞት ቅፅዓት ናብ ዕድመ-ይፍታሕ ማእሰርቲ ክቕይር ስልጣን ኣለዎ ይብል”።መንግስቲ ኢትዮዽያ ነቶም ብገበን ሰብኣዊነት ተኸሲሶም እድሜ ይፍታህ ንክእሰሩ ናይ ብይን ምምሕያሽ ዝተገበርሎም 16 ሰበ-ስልጣን ደርግ ከምዝፈትሐ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG