ሃዋሳ —
ኣብ ክልል ደቡብ ፍሉይ ወረዳ ደራሼ ህውከት ፈጢሮም፣ ህይወት ክጠፍእን ንብረት ክዓንውን ጌሮም ተባሂሎም ተጠርጢሮም ኣብ ልዕሊ ዝተታሕዙ 300 ሰባት ምርመራ ምዝዛሙ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ፀጥታን ናይቲ ክልል ኣፍሊጡ።
ነበርቲ ንቡር ምንቅስቃሳቶም የካይዱ ምህላዎም ንድምጺ ኣመሪካ ብምሕባር ሕጂ'ውን ሓሓሊፉ ድምጺ ተኹሲ ከምዝስማዕ ገሊጾም ኣለው።
ፍሉይ ወረዳታት ብዞባ ንምውዳብ ምስ ዝቐረበ ሕቶ ተሳሲሩ ብዝተፈጥረ መጥቓዕቲ 72 ኣባላት ፌደራል ፖሊስን ፍሉይ ሓይሊ ክልልን ከምኡ እውን ኣርባዕተ ሰበስልጣን ከምዝተቐትሉ እቲ ቤት ጽሕፈት ገሊጹ ብውጽኢት'ቲ መርመራ መሰረት ክሲ ንምምስራት ዘኽእል ምዃኑ ሓቢሩ።