ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ንፀብፃብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ነፂጎምዎ


ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ኢትዮጵያ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ዝተፈፀሙ ሰብኣዊ መግሃስቲ ብዝምልከት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንዘውፅኦ መግለፂ ብክፍተታትን ጌጋታትን ዝተመልአ እዩ ክብሉ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ነፂጎምዎ።

ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት /ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል/ ኣብ ኢትዮጵያ ይፍፀም ኣሎ ዝበሎ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መግለፂ ምውፅኡ ይዝከር።እቲ ፀብፃብ ብጌጋታት ዝትመልአ እዩ ዝብል ነቐፌታ ቀሪቡዎ ኣሎ።

ምሉእ ስእሊ ኣብ ኢትዮጵያ ይፍጠር ዘሎ ኩነታት ኣየርኣየን ክብሉ ዝነቐፉዎ እቲ እቲ ክሲ ዝቐረቦም መግሃስቲ ተፈፂሙዎም ዝተብሃሉ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ነቲ ክሲ ነፂጎምዎ ኣለው።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ፀብፃቡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባታት ምብራቕን ምዕራብን ጉጂ ከምኡ እውን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር ብሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ምፍፃሞም ዝገልፅ ፀብፃብ እቶም ክልላት ተቓዊሞምዎ ኣለው።

ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ጌታቸው ባልቻ እቲ ፀብፃብ ሚዛናዊ ብዘይምዃኑን ንናይ ዝተወሰኑ ናይ ፖለቲካ ሓይልታት ድልየት ንምምላእ ዝቐረበ ብምዃኑን ኣይንቅበሎን ይብሉ።

‘’እቲ ፀብፃብ ኣብ ክልልና ኣብ ዞባ ጉጂ ዝጠቐሶ 39 ዜጋታት ብናይቲ ክልል ኣካላት ፍትሕን ሓይልታትን ህይወቶም ሓሊፉ ይብል።ካብዚኦም ውሽጢ ብሓይልታት ፅጥታን ናይ መንግስቲ ኣካልትን ዝተቐትሉ ኢሉ ዝበሎም ኣስታት 19፣ 16 ዝኾኑ እዮም።እቶም ዝተረፉኸ እኒ መንእዮም? ብከመይ ኣገባብ እዮም ዝተጎድኡ? ዝብል ብትኽክል ኣየመልከተን።ብኻሊእ ወገን ድማ ሰብኣዊ መሰላት ክብሃል ከሎ ዝኾነ ይኹን ሰብኣዊ መሰላትን ንኹሉ ዝሓቖፈን ክከውን ኣለዎ’’ ኢሎም።

ኣምነስቲ ካብ ሓደ ወገን ጥራሕ ዝኣከቦ ሓበሬታ መሰረት ገይሩ ከምዘውፅኦን ናይ ኩሎም ዜጋታት ድምፂ እውን ከምዘይሰምዐን ወሲኾም ገሊፆም።

ሓላፊ ዘፈር ምምሕዳርን ፀጥታን እቲ ክልል ኣቶ ጅብሪል መሓመድ ንመንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣብዝ ሃብዎ መግለፂ ብወገኖም እቲ መፅናዕቲ ዘካየደ ጉጅለ ናይ ኦነግ ኣባላት፣ኦነግ ስልጣን እንተድኣ ዘይጨቢጡ ኢትዮጵያ ኣይክትቕፅልን፣መሰጋገሪ መንግስቲ እንተድኣ ዘይተጣይሹ ብዝብሉ ዝመፅአ ስለዝኾነ ገልተኛ ኣይኸውንን ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ሰብኣዊ መሰላት ንምኽባር ዝፈፀሞም ስራሕቲ ኣብ ግምት ዘየእተወ እውን እዩ ኢሎም ብምውሳኽ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ሪፖርቱ ኣብ ምዕራብ ጉጂ 16 ሰባት ኣብ ምብራቕ ጉጂ ድማ 23 ሰባት ብድምር 39 ሰባት ብዘይፍርዲ ብናይ ሞት ምቕፃዕቲ ከምዝተቐትሉን ዝተቐትሉ እውን ዕጡቓት ከምዘይኮኑን ሓቢሩ ኣሎ።ብዛዕባ እዚ ዝተሓተቱ ኣቶ ጌታቸው ፀጥታ ንምርግጋፅ ህይወት ሰብ ኣይጠፍአን ንብረት ኣይዓነወን ኣይብሃልን ግን እቲ መፅናዕቲ ንኩሉ ዝሓቖፈ ኣይኮነን፤ወገናዊ እዩ ኢሎም።

ሓልፊ ዘፈር ምምሕዳርን ፀጥታን ክልል ኦሮሚያ ዝኾኑ ኣቶ ጅብርል መሓመድ ኣምነስቲ ብዛዕባ ቅትለ 92 ሰባት ሓደ ነገር ከይጠቐሰ ምሕላፉ ሚዛናዊነቱ ስሒቱ እዩ ኢሎም።

ኣክቲቪስት ጀዋር መሓመድ ክእሰር እዩ ብዝብል ዝቐረበ ዝተጋገየ ሓበሬታ ምኽን ያት ብዝተልዓለ ዕንወት እንተወሓደ ህይወት 92 ሰባትጠፊኡ፣ልዕሊ 200 ሰባት ድማ ኣካሎም ጎዲሉን ብዙሕ ንብረት ዓኒዩን እቲ ፀብፃብ ነዚ እውን ክሓውስ ነይሩዎ ኢሎም።

ኣቶ ጌታቸው ባልቻ መንግስቲ ሰብኣዊ መሰላት ንምሕላው ስራሕቲ እናሰርሕ ምዃኑ እውን ሓቢሮም ኣለው።

ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ እውን ንፀብፃብ ኣምነስቲ ብምቅ ዋም መግለፂ ኣውፂኡ እዩ።ሓላፊ ጉዳያት ኮምኒኬሽን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ግዛቸው ምሉነህ ነቲ መግለፂ ዝተቃወመሉ ምኽንያት ይገልፁ።

‘’ቀዳማይ ሪኢቶ ቀንዲ ሓላፍቲ መንግስቲ ናይቲ ክልል፣ዝምልከቶም መሓውራት ተሓቲቶም ሪፖርት ክህቡ ነይሩዎም።ካልኣይ ድማ ናይ ድሕንነት ቢሮ ዝሃቦ ሓበሬታ ዘይሓወሰ ብምዃኑ ብሓፈሻ ሓደ ወገን ኣብ ልዕሊ ካሊእ ወገን ዝተልዓለ ኣምሲሉ ዝቐረበን ፍትሓዊ ብዘይምዃኑን እዩ’’ ኢሎም።

ካብ ዝተፈላለዩ ክልላት ተመዛቢሎም ናብ ክልል ኣምሓራ ዝመፁ ማለት እውን ካብ ክልል ቤንሻንጉል ዝተመዛበሉ፣ ዝተጎድኡን ዝተቐትሉን፣ኣብ ክልል ኦሮሚያ እውን ተመሳሳሊ ፀገም ዘጋጠሞም ኣለው፣ኣብቅማንት እውን ዝተምዛበሉ ኣምሓሩ ኣለው ነዚ ሓዊሶም ፍትሓዊ ብዝኾነ ኣገባብ ዘይወፀ ብምዃኑ ኢና ንቃወሞ ዘለና ኢሎም።

ዝተቐተሉ ኣምሓሩ እናሃለው ቅማንት በይኖም ዝተፈለየ ይ በደል ከምዝተፈፀሞም ምቕራቡ ኣይተቐበልናዮን ኢሎም።

ኣብቲ ሪፖርት ዝተጠቐሰ 55 ሰባት ኣብ ሓደ ጉድጓድ ምቕባሮም፣ ቅትለት፣ብፎቶ ዝቐረቡ ምጉዳል ኣካል ኣይተፈፀመን ዲኹም ትብሉ ዘለኹም ዝብል ሕቶ ዝቐረበሎም ኣቶ ግዛቸው ኣብ ቅማንትን ህዝቢ ኣምሓራን ፅንፈኛታት ብዝቐስቀሱዎ ምኽንያት ካብ ክልቲኡ ወገን ዝሞተ ኣሎ፤ነዚ እውን ኣብቲ እዋን ኮኒናዮ ኢና ኢሎም።ካብዚ ወፃኢ ግን ኣብ ሓደ ጉድጓድ ተቐቢሮም ከምዚባ ከምዚ ኮይኑ ዝብሃል ትኽክለኛ ሓበሬታ ኣይኮነን ኢሎም።

ዜጋታት ብሰላም ክነብሩ ናይ ምግባር መንግስቲ ሓላፍነት ኣለዎም ዝብሉለ ንሶም ኣብዚ ሕዚ እዋን ኩነታት ናብ ሰላማዊ ዝተመለሰ እውን መንግስቲ ብዝሰርሖ ስራሕ እዩ ኢሎም።ኩነታት ተረጋጊኦም ሰላም ምስተፈጠረ ኣምነስቲ ጎዶሎ ሪፖርት ኣቕሪቡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ቅሬታ ክፍጠር ምፍታኑ ንሰብኣዊ መሰላት ካብ ዝሕለቕ ትካል ትፅቢት ዝግበር ኣይኮነን እውን ኢሎም ኣቶ ግዛቸው።

XS
SM
MD
LG