ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝተፈጥረ ህውከት ኽሲ መንግስትን መልሲ ተቓወምትን


Ethiopia-Protest
Ethiopia-Protest

ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ሊቢያ ንዝተፈፀመ ግፍዒ ንምቅዋም ትማሊረቡዕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተፀውዐ ሰልፊ ዝተልዓለ ህውከት ዝለዓዐሉ ሰማያዊ ፓርትን ግንቦት ሸውዓተን እዮም ክብል መንግስቲ ኸሲሱ።እቲ መንግስቲ ንሎማዕንቲ ዝተሓስበ ዘይሕጋዊ ሰልፊን ስራሕ ጠጠው ናይ ምባል ኣድማን ዝበሎ እውን ንኽቲኦም ወገናት ኸሲሱዎም ኣሎ።ሰማያዊ ፓርቲ ነቲ ኽሲ ብምንፃግ የግዳስ ንምርጫ ዝወዳደሩ ኣባላተይ ብምእሳር መንግስቲ ንሕጊ ጥሒሱ ኢሉሎ።ግንቦት ሸውዓተ ብወገኑ ህዝቢ ዘካይዶ ቓልሲ ንድግፍ ኢና ኢሉሎ።

ቴሌቮዥን ኢትዮጵያን ኣብ ናይ ሎማዕንቲ ዜና እወጃኣ ንኮማንድ ፖስት ፖሊስ ፌደራል ብምጥቓስ ትማሊ ረቡዕ መንግስቲ ኣብዝፀውዖ ህዝባዊ ሰልፊ ዝሃውኩን ዝበፅበፁን ኣባላት ሰማያዊ ፓርትን ሸውዓተ ጉንበትን እዮም ኢሉ’ሎ።

ነዚ ናይ ህውከትን ዕግርግርን ፈተነ ብምብራዕን ብምትሕብባርን ከምኡ እውን ብምልዕዓል ንስነ ስርዓት ሓዘን ህዝቢ ንምህዋኽ ካብ ውሽጢ ሃገር ሰማያዊ ፓርቲ፣ካብ ወፃኢ ድማ ኣሸባሪ ጉጅለ ጉንበት ሸውዓተ ዝለዓለ ፃዕሪ ክገብሩ ተስተውዒሎም ኣለው ይብል እቲ ዜና።

ፈጠርቲ እቲ ህውከት ብዝተደርበዩዎም ኣእማን ኣብ ልዕሊ ሒደት ሰባት ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ዝተወሰኑ ኣባላት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ፌደራልን ውሱን ጉድኣት በፂሑ’ሎ ይብል እቲ ናይ ቴሌቪዥን እወጃ።ዝርዝሩ የድምፁ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:05:12 0:00

XS
SM
MD
LG