ኣብ ዓንቀጽ 93 ካብ ዝተጠቀሰ፣
‘ናይ ወጻኢ ወራሪ ካጋጥም ከሎ፣ ወይካኣ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ ዘውድቅ ኩነታት እንተተኸሲቱን ብልሙድ ኣሰራርሓ ምኽባር ሕጊ ዘይካኣል እንተኾይኑን፣ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ከጋጥም ከሎ፣ ወይካኣ ጥዕና ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ክወድቅ ከሎ፣ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ክትግብር ይኽእል’ዩ’ ይብል።
‘ብቤት ምኽሪ ወከልቲ ድሕሪ ምጽዳቁ ኣብ ስራሕ ክውዕል ዝኽእል ን6 ኣዋርሕ ይኸውን’ ይብል ንኡስ ዓንቀጽ 3። ድሕሪኡ፣ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ነቲ ኣዋጅ በቢኣርባዕተ ኣዋርሕ ክናውሖ ይኽእል’ዩ።
ዓንቀጽ 93 ንኡስ ዓንቀጽ 4 ለ፣ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ሕገ መንግስቲ ንዝተነጸሩ ፖለቲካዊን ዴሞክራሲያዊን መሰላት ክእግድ ይኽእል’ዩ ይብል። እንተኾነ ኣብ ዓንቀጻት 1፣ 25፣ 39 ንኡስ ዓንቀጽ 1ን 2ን፣ ከምኡውን ኣብ ዓንቀጽ 88 ንዝተጠቀሱ መሰላት ክድርት ከምዘይኽእል ይሕብር።
ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሓላፍነት ቤት ምኽሪ ወከልቲ’ዚ ዓንቀጽ’ዚ ዘቁሞ ‘ቦርድ መርማሪ’ እውን ነጺሩ ኣሎ፣
‘ብሰንኪ’ቲ ኣዋጅ ዝተኣሰሩ ሰባትን መእሰሪኦምን ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ የፍልጥ’
‘እቶም ዝውሰዱ ስጉምቲታት፣ ኢሰብኣዊ ዘይምዃኖም የረጋግጽ’
‘ኢሰብኣዊ እንተኾይኖም ንቤት ምኽሪ ሚኒስቲራትን ንቀ/ሚን የፍልጥ’
‘ኢሰብኣዊ ተግባር ንዝወሰዱ ናብ ፍርዲ የቅርብ’
‘ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ክናዋሕ እንተኾይኑ ሓሳብ ናብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ የቅርብ’ ይብል።