ዋሽንግተን —
ኢትዮጵያ: ከምቲ ምስ ምስ ቻይና ዝተበጽሐ ክሳብ ወርሒ ሓምለ ምክፋል ዕዳ ደው ክብል ዝብል ውዕል ምስ ገለ ኣለቃሕቲ ተመሳሳሊ ስምምዕ ኣብ ምዝዛም ምህላዋ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ገንዘብ ትማሊ ሓሙስ ገሊፆም።
ሚኒስተር ፖሊሲን ፋይናንስን ኣቶ እዮብ ተካልኝ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መጠይቅ ምስቶም ኣለቃሕቲ ኣብ ዝመፅእ ዓመተ 2024 ወርሒ ታሕሳስ ክክፈል ዘለዎ ዕዳ ብዝምልከት ምስ ዩሮቦንድ ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበፅሐ ወሲኾም ገሊፆም። እቲ ስምምዕ ምኽፋል ዕዳ ንጊዚኡ ጠጠዉ ክብል’ዩ።
120 ሚልዮን ህዝብን ዘለዋ ኢትዮጵያ ነቲ ቁጠባ ካብ ቁፅፅር መንግስቲ ነፃ ከም ዝገብሩ ቃል ዝኣተዉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፁ ካብ 2018 ንነጀዉ ሓያል ድልየት ኣውፈርቲ ስሒቡ’ዩ።
እንተኾነ ብዝለዓለ ዝቅባበ ገንዘብ ሕፅረት ሸርፊ ባጤራ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ መጠን ዕዳን ኣብቲ ዞባ ዘሎ ሓያለ ጎንፅታትን ኣብ ፀገም’ያ ትርከብ።
ቅጥዒ