ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ ኣብ መዕቆቢ ተናበይቲ ጎደና ገላን ብዝተላዕለ ሕማም 3 ሰብ ሞይቶም


ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ሸገር ኣብ ዝርከብ ገላን ጊዜያዊ መዕቆቢ ተናበይቲ ጎደና ብዝተለዓለ ለበዳ ሕማም ሰለስተ ሰባት ምሟቶምን 190 ካልኦት ድማ በቲ ሕማም ምልካፎምን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ብ24 ነሓሰ ከምኡ እውን ካብ 2-3 ጳጉመን 2015 ኣብ ዘሎ ጊዜ ኣብቲ ኣረጋውያን፡ ደቀንስትዮን ህፃናትን ዝርከብሉ መዕቖቢ ተናበይቲ ጎደና ዘካየዶ ክትትል፡ ዝተፈላለዩ ፀገማት ከም ዝተዓዘበ ኣፍሊጡ ኣሎ። እቲ ኮሚሽን ኣብ መግለፂኡ እቶም ካብ ጎደናታት ብዘይድሌቶም እናተኣከቡ ኣብቲ መዓስከር ዝዕቆቡ ሰባት፡ ብስእነት መሰረታዊ ኣገልግሎትን ሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ከም ዝሳቐዩ ኣመልኪቱ። ከም ሳዕቤኑ እቶም ተናበይቲ ንተለባዒ ሕማማት ቅሉዓት ምዃኖም እቲ ፀብጻብ ይሕብር።

ኣብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ክትትልን ምርመራን ዝኾና ሰላማዊት ግርማይ ንድምፂ ኣመሪካ ብዛዕባ እቲ መግለፂ ኣብ ዝሃብኦ መብርሂ፣ ኣብቲ መዕቖቢ ናይ ዘለዉ ሰባት ሰብኣዊ መሰላት ክኽበሩ ደጊመን ጸፀዊዐን። ካብ ነቲ ጊዜያዊ መዕቖቢ ዘመሓድሮ ቤት ጽሕፈት ህፃናት፡ ደቀንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ርእይቶ ንምስማዕ ዝገበርዮ ፈተነ ኣይቀንዐን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG