ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግድብ ህዳሴ፣ገምጋም ክኢላታትን መልሲ መንግስቲ ኢትዮጵያን


ኅዳሴ ግድብ
ኅዳሴ ግድብ
ኢትዮጵያ፣ሱዳንን ግብፅን ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሕዳር ኣኼባ ከካይዳ እየን።ፍሉጣት ጋዜጣታትን ናይ ዜና ወኪላትን ብዛዕባ ሩባ ኣባይን ግድብ ህዳሴን ኣብ ምፅሓፍ ይርከባ።ብሉምበርግ፣ዘ ዎል ስትሪት ጆርናልን ዘ ናሽናልን ገሊአን እየን።

ኣኼባ ሰልስቲአን ሃገራት ካብ ሰለስቲአን ሃገራት ዝተዋፅኡ ክኢላታት ዝሓቖፈ ጉጅለ ቅድሚ ስለስተ ኣዋርሕ ሪፖርቱ ንተን ሃገራት ካብ ዘርክብ ንፈለማ ግዜ እዩ ዝካየድ ዘሎ ክትብል ዘ ዎል ስትሪት ጆርናል ኣብ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ሕታማ ገሊፃ።

ንግድብ ህዳሴ ዘፅንዐ ናይ ዓለምለኸን ናይ ሰልስቲአን ሃገራትን ጉጅለ ክኢላታት ኣብቲ ግድብ ሽግራት ወይ ስኽፍታታት ዝበሎም ጠቒሱ’ሎ።

ብመሰረት ፀብፃብ ብሉንበርግ ናይ ዜና ማዕኸን ኣብ መሰረትን መሸከልን ትኹረት ክወሃቦም ዝግባእ ሽግራት ወይ ጌጋታት ክህልው ከምዝኽእሉ እቲ ናይ ክኢላታት ጉጅለ ኣብ ሪፖርቱ ሓቢሩ’ሎ።

ነቲ ግዳብ የስርሕ ናይ ዘሎ ኮርፐረሽን ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዮጵያ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣቶ ምህረት ደበበ ግን እቲ ግድብ መሰረታዊ ዝኾኑ መፅናዕትታት፤ኣዚዮም ብዙሓት ናይ ምርመራ ስራሕቲ ድሕሪ ምስርሖም ይህነፅ ከምዘሎ ብምግላፅ ኣስዒቦም ‘’ብዓለምለኸ ደርጃ ተቐባልነት ዘለዎምን ኣብቶም ዝሓለፉ 50 ዓመታት ብናይ ግድብ ምህንድስና ዝፍለጡን ኣብ ዓለም ኣዝዮም ዓበይቲ ግድባት ዘፅንዑ፣ዝቐየሱ ዝሃነፁ ኩበናያታትን ሰብሙያን ዝሓቐፈ እዩ’’ኢሎም።

እቶም ደረጅኦም ዝሓለው ዝበሉዎም ውጥናትን ዲዛይናትን ንገለልተኛ ክኢላታት ኽፉት ስለዝኾኑ እቶም ክኢላታት ሪኢቶታቶም ከምዝሃቡዎምን ከም ሰብ ሙያ ዝሃቡዎም ጠቐምቲ ሓሳባት ኣብ ግምት ከምዝኣተውን ካብዚ ዝዘለለ ዝጋነን ነገር ግን ከምዘየልን ሓቢሮም ኣቶ ምህረት ደበበ።

እቶም ኪኢላታት ሰልስቲአን ሃገራት ተሰማሚዐን ዝመረፅኦም ክኢላታት እምበር ኣዝዮም ዝተፈለዩ ሳይንቲስታት ኣይኮኑን ዝበሉ ኣቶ ምህረት ኣብ መፅናዕትን ኣብ ዲዛይንን ጠቐምቲ እዮም ዝበሉዎም ሪኢቶታት ሂቦምና ካብ ምባል እቶም ሪኢቶትታ እንታይ ከምዝኾኑ ኣይገልፁን።ዝርዝር ጉዳያት ንምግላፅ ኣፀጋሚ እዩ ብምባል።ጠቐምቲ ዝኾኑ ክውሰዱ ዘየድልዩ ድማ ዝግደፍሉ ኩነት ኣሎ ምስ በሉ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ዝኾነ ሽግር ግን የለን ኢሎም ኣቶ ምህረት ብምውሳኽ።

ናይቶም ክኢላታት ጉጅለ ገምጋም እቲ ዋና ግድብ ሻሕተት ንኸይብልን ዝግብኦ ደሕንነቱ ንምርግጋፅ ዘኽእሉን ስጉምትታት ክውሰዱ ኣለዎ ይብል።

ምስ ውሕጅ ብዝተተሓሐዙ ኣዝዮም መሰርታዊ ዝኾኑ መፅናዕትታት ንኣብነት ኣብ ሓደ ሚእቲ ዓምት ወይ 10 ሽሕ ዓመት ሓደ ግዜ ከጋጥም ዝኽእል ናይ ውሕጅ ሓደጋ ኣብ ግምት ብምእታውን ነዚ ክምክት ዝኽእልን ናይ ማይ ዓቕሚ ዘለዎ ግድብን ናይ ውሕጅ መቆፃፀሪ ስርዓትን ዘለዎ ግድብ እዩ ኢሎም ኣቶ ምህረት።

እቲ ግድብ ብዝተትሓዘሉ ትልሚ ቁፅፅራት ፅርየት ዲዛይንን ምምሕዳር ህንፀትን ተኸቲሉ ናይ ኣፈፃፅማ መለክዕታት ስዒቡ ይፍፀም ኣሎ ምስ በሉ ኣስዒቦም ‘’ከም ካሊእ ዝኾነ ይኹን ፕሮጀክት ፈተናታት ክህልውዎ ይኽእል።እንተኾነ ግን ከም ካልኦት ፕሮጅከትታት ብፅቡቕ ኩነታት እናተሳለጠ ይኸይድ ዘሎ ህንፀት እዩ’’ ኢሎም።

ክሳብ ሕዚ ዘሎ ከይዲ ጥዕና ዘለዎ ምዃኑን ኣብቲ ግድብ ኢድ ዘለዎም ኣካላት ኣብ ዝተፈላልየ እዋን መፂኦም፣ሪኦም ናይ ባዕሎም ሪቶታት ዝሃብሉን ኣድናቖቶም ዝገለፁሉን ስለዝኾነ ዝተፈለየ ነገር የለን ኢሎም።

ሓሙሽተ ቢሊዮን ዶላር ብዝፅጋዕ ገንዘብ ይህነፅ ዘሎን ካብ ቀጥታዊ ቁጠባውን ናይ መሰረተ ልምዓትን ሸትኡ ብተወሳኺ ናይ ፍልጠን ክእለትን ስግግር ክርከበሉ እዩ ዝተብሃለ ግድብ ህዳሴ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ 20 ሃገራት ዝመፁ 300 ክኢላታት ሓዊሱ ናብ ሓሙሽተ ሽሕ ሰራሕተኛ ዝተዋፈርሉ እዩ።ኣብ ቀረባ እውን ቁፅሪ ሰራሕተኛታት ናብ 12 ሽሕ ከምዝበፅሕ ኣቶ ምህረት ሓቢሮም።
XS
SM
MD
LG