ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮዽያ ንዋሕዚ ኣባይ ምቅልባሳ፣ዞባዊ ውጥረት ከስዕብ‘ዩ ኢሎም ግብፃዊ ዲፕሎማት


ABAY / NILE
ABAY / NILE
ኢትዮዽያ ንዋሕዚ ሩባ ኣባይ ምቅልባሳ፣ጠንቂ ኣድላዪ ዘይኮነ ዞባዊ ውጥረት ኮይኑ‘ሎ ኢሎም ላዕለዋይ ዲፕሎማት ነበር ግብፂ።

ክሳብ ቀረባ ምስ ኢትዮዽያ ኣብ ዝተካየዱ ልዝባት ልኡኽ ግብፂ ዝነበሩ ኣምባሳደር ጉነይም፣እቶም ይካየዱ ዝነበሩ ልዝባት ምጥርጣር ዝነበሮም‘ዮም ኢሎም ገሊፆምዎ።

ኢትዮዽያ ንዋሕዚ ኣባይ ዝቀልበሰትሉ እዋን፣ሓደ መዓልቲ ድሕሪ መገሻ ፕረዚደንት መሓመድ ሙርሲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ከምኡውን ዓለም-ለኻዊ ቴኮኒካዊ ኮሚቴ ቅድሚ ንሪፖርቱ ዕላዊ ምግባሩ ምኳኑ፣ሕቶ ዘበግስ‘ዩ ኢሎም ንሶም።

”የዋህነት‘ዩ።ፈፂሙ ዲፕሎማሲ ኣይኮነን።ድልየትካ፣እቲ ትሃንፆ ዘለኻ ግድብ ኣሉታዊ ፅልዋ ከምዘየስዕብ፣ነቲ ካልእ ወገን ክተብርሃሉ ትፍትን ኣለኻ እንተኾይንካን ከም’ዚ ዝበለ ስራሕ ናይ ዓሻ ትገብርን እንተኾይንካ፣እንታይ ኢኻ ትፅበ? እዚ ብሓቂ ትርጉም ዘይብሉ‘ዩ።ነቲ ዝተዛረብኩሉ ዘይምትእምማን‘ዩ ዘገልግል” ባሃላይ‘ዮም።

ኣምባሳደር ጉነይም፣ነቲ ንኣሉታን ኣዎንታን ግድብ ህዳሴ ዘፅንዕ ዘሎ ዓለም-ለኻዊ ኮሚቴ ዘውፀኦ ሪፖርት ብዓይኒ ጥርጣረ ከምዝሪኡ‘ውን ይዛረቡ።እቲ ሪፖትት፣ኣብ ቀረባ መዓልታት ወግዓዊ ክኸውን‘ዩ።

ኣምባሳደር ጉነይም ወሲኾም፣ኣገዳሲ ሓበሬታ ካብ‘ቲ ሪፖርት ከምዝጎድል‘ውን ዝብሉ እቶም ኣምባሳደር ”ኢትዮዽያ ንኣገዳሲ ሓበሬታ ስለዝሓዘቶ፣እቲ ኮሚቴ ዝተማለአ ሪፖርት ከውፅእ ኣይካኣለን” ኢሎም።

ማሕበረ-ሰብ ዓለም፣ጣልቃ ኣትዩ፣ሰለስቲኤን ሃገራት ንረብሐአን ኢለን ክተሓባበራ ክገብር‘ዩ ዝብል ተስፋ ኣለዎም እቶም ኣምባሳደር ነበር።

ምትሕብባር ኣሎ እንተኾይኑ፣ከምባንኪ ዓለም ዝበሉ ገንዘብ ዝድጉሙ ትካላት፣ክብጅቱን ንብቅዓት ኣብ ምቁፅፃር ክሕግዙን ይኽእሉ‘ዮም‘ውን ይብሉ።

”ንሕና ግብፃውያን፣ኣብ ኢትዮዽያ ንዘሎ ሕፅረት ሓይሊ ንርዳእ ኢና። እወ ኢትዮዽያ ሓይሊ የድልያ‘ዩ።ይርዳኣና‘ዩ።እንተኾነ ንካልእ ሃገር ብዘይጎድእ መንገዲ ክስራሕ ኣለዎ።ካብ ዓለም-ለኸ ትካላት ገንዘብ ዘጋጠሞም ዕንቅፋት እዚ‘ዩ።ቀዋሚ ፖሊሲ‘ቶም ትካላት፣ካብ ኩሎም ወገናት ምርድዳእ እንተዘይሃልዩ፣በጀታዊ ሓገዝ ኣይፍቀድን ዝብል‘ዩ”ባሃላይ‘ዮም።

ኣብ ጉዳይ መቀሎ ማይ ናይል፣ሓድሽ መንፈስ ዝርርብ ዝፍጠረሉ ፅቡቅ እዋን ተበፂሑ‘ሎ ኢለ‘የ ዝኣምን ይብሉ ኣምባሳደር ጉነም።ነቲ ደውታ ይመርሑ ዝነበሩ ፕረዚደንት ሑስኒ ሙባረክን ቀ/ሚ መለስ ዜናዊን ብካልእ ነቲ ምስሕሓብ ብካልእ መኣዝን ክጥምቱ ዝመርፁ መራሕቲ ተተኪኦም‘ዮም ዝብል ገምጋም‘ውን ኣለዎም።
XS
SM
MD
LG