መንግስቲ ኢትዮዽያ ኣብ ፈጠራ ራዕዲ ተሳቲፎም ንዝበሎም ክልተ ጋዜጠኛታት ከምዝኣሰረ ተሓላቂ ጋዜጠኛታት (CPJ) ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ኢትዮዽያ እቶም ጋዜጠኛታት ብወግዒ ክሲ ከምዝቀረቦም ትማሊ‘ዩ ኣፍሊጡ።
ምክትል ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ኣውራምባ ታይምስ ውብሸት ታዬን፣ናይ ጋዜጣ ፍትህ ርእዮት ኣለሙን ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሮም ከምተኣሰሩ CPJ ንዝተፈላለዩ ምንጭታት ጠቂሱ‘ዩ።
ንግንቦት 7 ሓዊሱ መንግስቲ ኢትዮዽያ ዝኣገዶም ጉጅለታት ይድግፉ‘ዮም ኢሉ ዝኣመነሎም ፅሑፋት ዘቅረቡ ጋዜጠኛታት፣ብሕጊ ፀረ-ፈጠራ-ራዕዲ ከምዝኽሰሱ እቲ ዜና ይሕብር።
ብካልእ ዜና፣ሸውዓተ ጥርጡራት ውልቀ-ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘእተወ ፌደራል ፖሊስ ኢትዮዽያ ኣፍሊጡ‘ሎ።
ወሃቢ-ቃል ምንስቴር ኮምኒኬሽን ኢትዮዽያ ኣቶ ሽመልስ ከማል፣እቶም ጋዜጠኛታት ዝተኣሰሩ ብምኽንያት ዝፃሓፍዎ ከምዘይኮነ ንብሉምበርግ ኒውስ ገሊፆም።ሲፒጄይ ግና ጋዜጠኛ ርእዮት “ገዛኢ ፓርቲ ንግድብ ህዳሴ ገንዘብ ካብ ህዝቢ ምእካቡ ከምዝነቀፈ፣ጋዜጠኛ ውብሸት ድማ ብዛዕባ ናይ‘ቲ ከባቢ ፖለቲካ ምፅሓፉ”ይሕብር።
እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣እቶም ዝተኣሰሩ ናይ ሕጊ ኣማኸርቲን ጠበቃን ንክበፅሖም ንክፍቀደሎም ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ፀዊዑ።ክለይር ቤስተን ኣብ ኣምነስቲ ንጉዳይ ኢትዮዽያ ዝፅሕፋ‘የን።
”ሕጊ ፀረ-ፈጠራ-ራዕዲ ንፁር ዘይምኻኑ ንኣምነስቲ ከተሓሳስቦ ፀኒሑ‘ዩ። ምኽንያቱ፣እቲ ሕጊ ንነፃ መሰል ምእካብን ምዝራብን ስለዝግድብ።ንኣብነት ብፈጠራ ራዕዲ ዝተለለዩ ውልቀ-ሰባት ዝጠቀሰ፣ብሕጊ ፈጠራ-ራዕዲ ይኽሰስ ይእሰር” ይብላ።
ምንስቴር ኮምንኬሽን ኢትዮዽያ ግና፣ሕጊ-ፀረ-ፈጠራ-ራዕዲ፣ሞየኦም ብሕጋዊ መንገዲ ዘሰጉሙ ጋዜጠኛታት ስግኣት ኣይኮነን ከምዝብል ትካል ዜና ኢትዮዽያ ገሊፁ‘ሎ።
ምስ ጠበቃኦም ንክራኸቡ ፀዊዑ