ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ብናይ ኢንተርኔት ሳንሱር ኣብ አፍሪቃ መሪሕ ተራ ሒዛ ጸኒሓ`ላ ክብል ሲፒጄ አፍሊጡ


መንግስቲ ኢትዮጵያ ብድምፂ ዝድገፍ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ናይ ምእጋድ ውጥን የብሉን ይብሉ ምኽትል ምንስቴት ኮምኒኬሽን ኢትዮጵያ

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ብዝረቐቐ ኣገባብ ናይ ቴክኖሎጂ ሳንሱር እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ ክብል ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ሲፒጀይ ዝተብሃለ ትካል ገሊፁ።ኣብቲ ናይ ቴክኖሎጂ ሳንሱር ቀዳምነት ዝሓዘት ኢትዮጵያ ምዃና ብምሕባር ካልኦት ውልቀ መለኽቲ ኢሉ ዝፀውዖም ናይቲ ከባቢ መንግስታት ነዚ ኣሉታዊ ኣሰር ንኽየኽተሉ ስግኣቱ ገሊፁ’ሎ።መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ብድምፂ ዝድገፍ ናይ ኢንተርኔት ኣገልግሎታት ክእግድ እዩ ንዝብል ፀብፃብ ነፂጉዎ’ሎ።

ኢትዮጵያ ብናይ ኢንተርኔት ሳንሱር ኣብ ኣፍሪካ ቀዳምነት ትስራዕ ሃገር ኮይና ፀኒሓ እያ ይብል ንናይ ጋዜጠኛታት መሰል ዝሕለቕ ትካል CPJ ዘውፅኦ መግለፂ።

ኣብዚ ዓመት ይብል እቲ መግለፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕዚ ካብዝነበረ ብዝረቐቐ ቴክኖሎጂ ናይ ኢንተርኔት ዌብ ሳይታት ምሽፋንን ምእጋድን ከምዝጀመረ ተዓዘብቲ ይዛረቡ ይብል።

CPJ ኣብ መገልፂኡ ‘’ኣገዛዝኣ ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ዜናዊ ፌስቡክ ንዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት ከምዘለው ካብ ምዕፋን ንዝተወሰኑ ናይ ፌስቡክ ጉጅለታት ወይም ኣገልግሎታት ኢንተርኔት ፈልዩ ንምዕፋን ከምዝኽእል ክተኣማመን ገይርዎ እዩ’’ ይብል።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ብድምፂ ዝድገፉ ናይ ኢንተርኔት ኣገልግሎታት ክዓፅዎ እዩ ንዝብል ናይ ኢትዮጵያ ጉዳያት ኮምኒኬሽን ምንስቴር ድኤታ ኣቶ ሽመልስ ከማል ኣሉታ ሂቦምሉ’ለው።

ሞባይልን ብኢንተርኔትን ኣቢሉ ዝወሃቡ ናይ ስካይፕ፡ብጉጉልን ብያሁን ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ንምእጋድ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕጊ ከምዘውፅአ ዝግለፅ ዘሎ ፀብፃብ ፈፂሙ ዝተጋገየ እዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG