ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጠበቓታት እኒ ብዓል ኣንዱኣልም ኣራጌ ንኣቃራርባን ትሕዝቶታትን ክስታት ዓቃቢ ሕጊ ተቓዊምምዎ


ናይ ተኸሰስቲ ጠበቓታት ዓቃቢ ሕጊ ዘቕረቦ መመሓየሺ ናይ ትሕዝቶ ኣፈላላይ የብሉን ብምባሎም እቲ መምሓየሺ ብቤት ፍርዲ’ውን ተቐባልነት ረኺቡ’ሎ።

ጠበቓታት እኒ ብዓል ኣንዱኣለም ኣራጌ ንኣቀራርባን ትሕዝቶን ክስታት ዓቃቢ ሕጊ ተቓዊመምዎ።ዓቃቢ ሕጊ ድማ ነቲ ዝቐረበ ተቓውሞ ውዱቕ ንኽገብሮ ንቤት ፍርዲ ሓቲቱ።እቲ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ሂቡሉ’ሎ።

ናይ ተኸሰስቲ ጠበቓታት ዓቃቢ ሕጊ ዘቕረቦ መመሓየሺ ናይ ትሕዝቶ ኣፈላላይ የብሉን ብምባሎም እቲ መምሓየሺ ብቤት ፍርዲ’ውን ተቐባልነት ረኺቡ’ሎ።

ናይ ኣቶ ኣንዱኣለም ኣራጌ፡ኣቶ ናትናኤል መኮነን፡ኣቶ ክንፈሚካኤል ደበበን ናይ ኣቶ እስክንድ ነጋን ጠበቓታት ዝተፈላለዩ ዓንቀፃት ስነስርዓት መቕፅዒ ሕጊ ገበን እታ ሃገር ብምጥቓስ ኣርባዕቲኦም ዓማዊሎም ካብ ካልኦት ተኸሰስቲ ተፈሊዮም ንኽርአየሎም ሓቲቶም።

ናይ ሕቱኦም መሰረት’ውን ሰለስቲኦም ዓማዊሎም ብናይቲ ዓቃቢ ሕጊ ዝርዝር መርትዖ ኣባላት ውድብ ግንቦት ሸውዓተ ንምዃኖም ዘረጋግፅ መርትዖ ስለዘየለ እቲ ኻሊእ ዓሚሎም እስክንድር ነጋ’ውን ጋዜጠኛን ፖለቲካዊ ተንታንን እምበር ናይዝኾነ ይኹን ኣባል ፖለቲካዊ ፓርት ስለዘይኮነን ናይ ኣርባዕቲኦም ዓማዊሎም ኽሲ ናይ ግንቦት ሸውዓተ ኣባል መሪሒነቶም ብግልፂ ምስ ዝፍለጡ ምስ እኒ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ምኽሳሶም ዝጎድኦም ብምዃኑ ተፈሊዩ ይርአየልና ክብሉ ነቲ ቤት ፍርዲ ሓቲቶም።

እቶም ጠበቓታት ዓማዊሎም ፈፂመምዎም ዝተብሃሉ ተግባራት መዓዝን ኣበይን ከምዝተፈፀሙ ተፈሊዮም ስለዝይተፈለጡ ናይቶም ተኸሰስቲ ናይ ምክልኻን መሰል ዝዳፋእ ስለዝኾነ ዓቃቢ ሕጊ ናይቲ ኽሲ ፍፃመታት ብግዜን ቦታን ፈሊዩ ንከቕርብ ትእዛዝ ንኽህበሉ ነቲ ቤት ፍርዲ ሓቲቶም።

ዓቃቢ ሕጊ ብወገኑ ዘቕረቦ ክሲ ብኹሉ መዳዩ ዝተማልአ ምዃኑ ብምርዳእ ናይ ተቓወምቲ ጠበቓታት ዘቕረብዎም ኩሎም ተቓውሞታት እቲ ቤትፍርዲ ውዱቕ ንኽገብሮ ሓቲቱ።

እቲ ቤትፍርዲ ናይ ክልቲኦም ወገናት ክርክር ምስ ሰምዐ ፅባሕ ብይን ንምሃብ ተለዋጢ ቖፆሮ ሂቡ።ዓቃቢ ሕጊ ሎማዕንቲ ብዘመሓየሾ ኽሲ መሰረት ናይ ቀደም ዋና ኣሰናዳእን ማኔጂንግ ኤዲተርን ጋዜጣ ኣዲስ ነገር መስፍን ነጋሽን ኣብዪ ተክለማሪያምን ካብቲ ቀዳማይ ኽሲ ነፃ ክኾኑ ማለት እዩ።

XS
SM
MD
LG