ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ኣሕተምቲ ማእሰርቲ በይኑ


ሓደ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ዓቃቢ ሕጊ ሕገ መንግስትን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ብዓመፅ ንምፍራስ ብምልዕዓልን ብናይ ሓሶት ወረ ንህዝቢ ብምልዕዓልን ገበናት ፈፂሞም ክብል ኣብ ልዕሊ ዝኸሰሶም ሰለስተ ኣሕተምቲ ናይ ማእሰርቲ ቅፅዓት ወሲኑ።

ናይ ዮፋ ኢንተርንተይንመንትን ናይ ፕረስ ስራሕቲ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ናይ ውልቂ ማሕበር ዋና ኣካያዲት ስራሕ ፋጡማ ኑሩየ ናይ ሰለስተ ዓመትን 11 ኣዋርሕን፣ዋና ኣካያዲ ስራሕ ዳዲሞስ ኢንተርተይንምነትን ናይ ፕረስ ስራሕትን ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ናይ ውልቂ ማሕበርን ኣቶ ግዛው ታየ ሆርዶፋ ሰለስተ ዓመትን ሰልስተ ወርሕን ማእሰርቲ፣ከምኡ እውን ናይ ሮዝ ኣሕታሚ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ናይ ውልቂ ማሕበርን ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣቶ እንዳልካቸው ተስፋየ ኣርጉ ሰለስተ ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ማእሰርቲ ተፈሪዱዎም ኣሎ።እቶም ተኸሰስቲ ኣብዘይተርኽብሉ እዩ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል መቕፃዕቲ ወሲኑ ዘሎ።

ሰልስቲኦም ተኸሰስቲ ካብ ሃገር ምስዳዶም መራኸቢ ብዙሃን ክፅብፅባ ፀኒሐን ኣለዋ ይብል መለስካቸው ኣምሃ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝለኣኾ ፀብፃብ።

XS
SM
MD
LG