ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ምስክር ናይ ምቕራብ መሰለይ መንጢሉኒ ይብሉ ኣቶ ኣገደ ገብረስላሴ


ክምስክሩለይ እዮም ካብ ዝበሉዎም 18 ኣባላት ኣመራርሓ ህውሓት ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ዜናዊ ይርከብዎም

ኣቶ ኣስገደ ገብረስላሴ ኣብ ዝፅሓፍዎም መፃሕፍቲ ናይ ሰብ ስም ኣፀሊምካ ብዝብል ቅድሚ ሕዚ ናብ ሓደ ቤት ፍርዲ ከተማ መቐለ ቐሪቦም ነፃ ከምዝተብሃሉ ይዛረቡ።ዓቃቢ ሕጊ ይግባይ ስለዝበለ ግን እቲ ጉዳይ ዳግም እናተርኣየ ኣብ ከይዲ ይርከብ።ኣቶ ኣስገደ ግን ኣብ መፃሕፍተይ ዝጥቐስኩዎም ጉዳያት ይፈልጥዎ እዮም፡ክምስክሩለ እዮም ኢለ ንዝኣምኖም ንቀዳማይ ምንስቴር መልስ ዜናዊ ሓዊሱ ሕዚ ኣብ መሪሕነት ንዘለውን ንዝነበሩን ን18 ኣመራርሓ ህውሓት ናይ መከላኸሊ መሰኻኽር ንክኾኑዎም ሓቲቶም እቲ ቤት ፍርዲ ፈለማ ንኣበልን መጎዓዝያን እቶም ሰበስልጣን ገንዘብ ተትሕዝ እንተኾይንኻ ይክኣል እዩ ከምዝበሎምን ብኡ መሰረት ድማ ገንዘብ ኣተኣኻኺቦም ከእትው ኣብዝኸድሉ ግዜ እቲ ቤት ፍርዲ ሓሳቡ ቀይሩ ጠጠው ከምዘብሎምን ይዛረቡ።

ዳኛ እቲ ቤት ፍርዲ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሃበኒ ናይ ምክልኻል መሰለይ ስለዝመንጠላኒ ንዕአን እውን ከሲሰየን ኣለኹ ይብሉ።

ብዓል መያ ሕጊ ኣቶ ተመስገን ተካ በመሰረት ናይ ኢትዮጵያ ሕጊ ብክልተ ኩነታት ማለት እውን ብዕደመን /ብእርጋን ማለት እዩ/ ብናይ ኣእምሮ ሕማምን ምስክር ክኽልከል ይኽእል እዩ ይብሉ።ካብዚ ወፃኢ ግን ኩሉ ሰባ ምስክር ናይ ምቕራብ ሕጋዊ መሰል ኣለዎ ይብሉ።ሰበስልጣን ብዝምልከት እንትገልፁ ድማ ኩሉ ሰብ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ እዩ ምስ በሉ እንተኾነ ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ዝህብዎ ምስክርነት ነቲ ስርሖም ዘዕንቅፍ እንተኾይኑ ወይ ድማ ንሃገራዊ ምስጢር ዘውፅእ እንተኾይኑ ዳኛት ብዝርዝር ሪኡ ክውስኖ ከምዝኽእል ይገልፁ።ንዝርዝሩ የድምፁ።

XS
SM
MD
LG