ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ንላዕለዎት ሰበስልጣን ተቓዋሚ ፓርቲ ሓድነት ገሲፁ


ኣብ ልዕሊ እቲ ቤት ፍርዲ ናይ ፅልእን ምንእኣስን ተግባር ፈፂሞም ብዝብል

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኢትዮጵያ ንኣባላት ላዕለዎት ሰብስልጣን ተቓዋሚ ፓርቲ ሓድነት ንዴሞክራስን ፍትሕን ናብቲ መጋባእያ ፀዊዑ ገሲፁዎም።እቶም ኣባላት ኣመራርሓ ብኣሰራርሓን ውሳነን እቲ ቤት ፍርዲ ምሕዛኖም ገሊፆም ኣለው።

እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ተኸሰስቲ እኒ ኣንዱኣለም ኣራጌ 21 ሰነን 6 ሓምለን 2004 ዓ/ም ዝሃቦም ውሳነታት ስዒቡ እቲ ፓርቲ ዘውፅኦም መገልፂታት መንግስቲ ነቲ ናይ ፍትሒ ስርዓት ከም መጥቕዒ መሳርሒ ከምዝጥቀመሉ ገሊፆም ነይሮም።እቲ ዝተውሃበ ፍርዲ’ውን ኣነዋርን ጨካንን እዩ ክብሉ ኣብ ልዕሊ እቲ ቤት ፍርዲ ናይ ምፅልእላእን ናይ ምንእኣስን ተግባር ፈፂሞም ይብል እቲ ቤት ፍርዲ።

ዋና ፀሓፊ ፓርቲ ሓድነት ኣቶ ኣስራት ጣሴ ናብ ናይቲ ቤት ፍርዲ ቤት ፅሕፈት ቀሪቦም ከምዘረድእዎ ኣብቶም መግለፅታት ገሊኦም ኣገላልፃታት ጌጋ ምዃኖም ምእማኖም ዝገለፀ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ናይ ኣብዝሃ ፓርቲ መስርሕ ዝህቦ ኣስተዋፅኦ ኣብ ግምት ብምእታው ብተግሳፅ ከምዝሓለፎም እቲ ቤት ፍርዲ ገሊፁ።እቲ ፓርቲ ንቕድሚት ካብዚ ንኽእደብ እቲ ቤት ፍርዲ ኣተሓሳሲ’ሎ።

ሎማዕንቲ ሰኒ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ዝተረኸቡ ናይቲ ፓርቲ ኣቦመንበር ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳን ምኽትል ኣቦመንበር ኣቶ ግርማ ሰይፉን ካሊእ እዩ ይብሉ።ዶ/ር ነጋሶ ንምይይጥን ዝርራብን እምበር ኣብ መጋባእያ ንምቕራብ ከምዘይተፀውዑ ይገልፁ። ብምቕፃል ከምዚ ይብሉ ‘’ዝኸሰሰና ሰብ የለን፡እቲ ኽሲ’ውን ኣይበፅሐናን፡መከላኸሊ ምቕራብ ከንኽእል’ውን ነይርና።ብናይ ባዕሎም ኣገባብ ከይዶም ከምዚ ወሲና ኣለና ኢሎም ኣብ መጋባእያ ጠጠው ኣቢሎም ነቲ ውሳንኦም ኣንቢቦም።እዚ ፈፂሙ ኣግባብነት የብሉን።ተሰሚዑ ዘይፈልጥን ዘሕዝን እዩ።’’

ዋና ፀሓፊ እቶ ኣስራት ጣሴ ብወገኖም ዝሃብኩዎ ሪኢቶ ከም ሓደ ዜጋ ጥራሕ እዩ ይብሉ።ዝተውሃበ ውሳነ ብዝምልከት’ውን ናይ ሕጊ ኣግባብነት ዘይብሉን ድራማን ጥራሕ እዩ ይብሉ።

XS
SM
MD
LG