ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ዶ/ር መረራ ጉዲና ተወሳኺ መርትዖ ምቕራቡ ተገሊጹ


 ዶ/ር መረራ ጉዲና
ዶ/ር መረራ ጉዲና

ናይ ኢትዮጵያ ፈደራል ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ኣቦ መንበር ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ዶ/ር መረራ ጎዲና ተወሳኺ 10 ናይ ሲዲ መርትዖታት ምቕራቡ ተገሊጹ።

ተወሳኺ ምስሊን ድምጺን ዝሓዘ ሲዲታት ከምዘለዎ'ውን እቲ ዓቃቢ ሕጊ ንቤት ፍርዲ ኣፍሊጡ’ሎ።

ዓቃብ ሕጊ ኣቐዲሙ ዘቕረቦ ናይ መሰካኽርን ካልኦት መርትዖታትን እኹል ብምዃኑ ተኸሳሲ ንክኸላከሉ ወይ ድማ ውሳኔ ክህብ ሓቲቱ ኔሩ።

ጠበቓ ተኸሳሲ አቶ ወንድሙ ኢብሳ እቲ አካይዳ ናይ ሕጊ አገባብ የብሉን ኢሎም ክንጸግ ይግባይ ምባሎም ገሊጾም።

ፈደራል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምድብ ልደታ መጋባእያ 19 ን19 ታሕሳስ,2010 ቆጸራ ሂቡ’ሎ።

ዝሓለፈ ዓመት ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ዶ/ር መረራ: ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ፡ አቶ ጀውሃር መሓመድ፡ ኢሳት ቴሊቬዥንን ኦሮሞ ሚድያ ኔት ዎርክ ክሲ ምምስራቱን፡ ዶ/ር መራራ ጉዲና ካልኦት ኣብ ዘየለውሉ ጉዳዮም ከምዝረአ ሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG