ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ተመስገን ደሳለኝ ናይ ሰለተ ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ፈሪዱ


ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ፍትህ ተመስገን ደሳለኝ
ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ፍትህ ተመስገን ደሳለኝ

ናይ ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ናይ ቀደም ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ፍትህ ናይ ሰለስተ ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ፈሪዱ።ጠበቕኡ ይግባእ ክብል እየ ኢሎም።

ሕትመታ ቅድሚ ክልተ ዓመት ጠጠው ናይ ዘበለት ጋዜጣ ፍትህ ዋና ኣሰናዳኢ ዝኾነ ተመስገን ደሳለኝ ዝሓለፈ 5 ጥቅምቲ 2007 ዓ/ም ገበነኛ እዩ ክብል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ውሳነ ድሕሪ ምሃቡ ሎማዕንቲ ሰኒ ኣብ ልዕሊ ተመስገን ደሳለኝ ናይ ሰለስተ ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ኣብ ልዕሊ ኣሕታሚ ትካል ማስተዋል ድማ ናይ 10 ሽሕ ብር መቕፃዕቲ ወሲኑ’ሎ።

ብዝፈፀሞ ናይ ምልዕዓልን ግዙፍ ዘይኮነ ናይ ምስንዳእ ተግባርን ገበን ፈፂሙ ክብል ዓቃቢ ሕጊ ብዘቕረቦ ክሲ እዩ እቲ መቕፃዕቲ ተፈሪዱ ዘሎ።

ናይ ኣቶ ተመስገን ደሳለኝ ጠበቓ ኣቶ ኣምሃ መኮነን ተመስገን ብደረጃ መትከል ጥፍኣተኛ ክብሃል የብለይን ዝብል መረገፂ ስለዝሓዘን ተቓውምኡ ኣብ ናይ ጥፍኣተኝነት ውሳነ ብምዃኑን ተረዳዲእና ናይ መቕለሊ ሓሳብ ከም ዘይነቕርብ ንቤት ፍርዲ ብፅሑፍ ኣቕሪብና ኣለና ኢሎም።

ዓቃቢ ሕጊ ዘቕረቦ ክሲ ይኹን እቲ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ውሳነ ኣብ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብግልፂ ዝተቐመጠ ሓሳብ ብነፃናት ናይ ምሓዝን ናይ ምግላፅን መሰላት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ ኢሎም ኣቶ ኣምሃ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ተመስገኝ ደሳለኝ ዝተውሃበ ፍርዲ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ጋዜጣ ብዝፀሓፎ ፅሑፍ ዋላ ሓደ ሰብ ብገበን ኣይክሰስን ክብሉ ብተደጋጋሚ ከምዝገልፁ ብምሕባር ኣብ ልዕሊ ኣቶ ተመስገን ደሳለኝ ዝተውሃበ ፍርዲ ግን ምስዚ ኣበሃህላ እዚ ዝፃባእ እዩ ኢሎም።

‘’ዋና ኣሰናዳኢ ኮይኑ ይሰርሐሉ ኣብዝነበረላ ጋዜጣ ፍትህ ብባዕሉን ብናይ ካልኦት ሰባትን ኣመንጭነት ተፃሒፎም ኣብ ዝተሓተሙ ፅሑፋት ጥራሕ ተመስሪቶም ኸሲሶምዎ ዘለው’’ ምስ በሉ ምስ ካሊእ ገበን ወይ ምስ ተግባር ሽብር ወይ ምስ ካሊእ ደረቕ ገበን ዝተራኸበሉ ኩነታት የለን ኢሎም።

ዓቃቢ ሕጊ ከም መርትዖ ዘቕረቦም እውን እዞም ፅሑፋት እዚኣቶም ጥራሕ እዩ ኢሎም።

ኣቶ ኣምሃ ነቲ ውሳነ ይግባይ ከምዝበሉን ይግባይ ዝብልሉ ምኽንያት ድማ ናይ ኣቶ ተመስገን ደሳለኝ መሰል ንምሕላው ጥራሕ ከይኮነስ ካብዚ ዝዓበየን ንናይ ብዙሓት ሰባት እውን ስለዝትንክፍን እዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG