ኦላና ከበደ ኣብ ትሕቲ ዝብል ሰነድ ዝተኸሱ 21 ሰባት ክኾኑ ከለው ብስም ተቓዋሚ ፓርቲ ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ብተግባር ግብረ ሽበራ ንዝተፈረጀ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ እናዳሰርሑ መንግስቲ ንምግልባጥ ፈቲንኩም ብዝብል ኽሲ ከምዝተፈረዶም ጠበቕኦም ኣቶ ወንድሙ ኢብሳ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።
“ሓደ ብነፃ ዝወፀ ክኸውን ከሎ እቶም 15 ድማ ካብ ሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ኣዋርሕን ክሳብ 13 ዓመታት ዝተፈረዶም እዮም።ኣብ ልዕሊ እቶም ሓሙሽተ ንመጻኢ ውሳነ ክውሃብ እዩ።ይግባይ ክንሓተሎም ከም እንኽእል ስለዝተነገረና ክንሓተሎም ኢና።”
እዞም 21 ተኸሰስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር 2008 ዓ.ም ካብ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ዝተኣስሩን ዝተታሓዝሉን ዝቐረቦም ክስን ድማ ብሽፋን ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ብሽርራ ንዝተፈረጀ ኦነግ ትሰርሑ ነይርኹም ዝብል ምዃኑ እቶም ጠበቓ ወሲኾም ገሊፆም።
ብኻልእ ዜና ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ኣባላት ኣመራርሓ ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስ ኮንግረስ ሓዊሱ ኣብ መንጎ 22 ተኸሰትን ዓቃቢ ሕግን ዘሎ ምጉት ሎሚ’ውን ብይን ከምዘይሃበ ተፈሊጡ።
ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ተኸሰስቲ ከቕርቦ ዝነበሮ ናይ ድምፅን ምስልን ምስክር ብናይ ቤት ፍርዲ ናይ ስራሕ ቋንቋ ኣተርጊሙ ብዘይ ምቕራቡ ምዃኑ ቤት ፍርዲ ገሊፁ’ሎ።ንምንታይ ተተርጒሙ ከምዘይቐረበ ምስ መብርሂኡ ክቐርበሉ ቆፀሮ ሂቡ’ሎ።
ዓቃቢ ሕጊ ኣቶ በቀለ ገርባ ሓዊሱ ኣርባዕተ ላዕለዎት ኣባላት ኣመራርሓ ኦፌኮ ዝርከቡዎም ኣብ ልዕሊ 22 ተኸሰስቲ ተግባር ሽበራ ፈፂሞም ክብል ቅድሚ ሓደ ዓመት ከምዝኸሰሶም ይዝከር።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።