ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ 15 ምሁራትን ወነንቲ መሓውራት ዜናን ብዋሕስ ከይፍትሑ ከልኪሉ


ኣብ ኢትዮጵያ ብዝቀረበሎም ክሲ ግብረ ሽበራ ብፖሊስ ተታሒዞም ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሮም ኣብ ቐይዲ ዝርከቡ 15 ምሁራትን ወነንቲ መሓውራት ዜናን ሎሚ ረቡዕ ብዋሕስ ካብ ማእሰርቲ ከይፍትሑ ከምዝተኸልከሉ ተገሊጹ።

ፈደራል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ' ሃገር ብዋሕስ ከይወጹ ዝኸልከለ ሕጊ ብምጥቃስ ምዃኑ'ውን ተገሊጹ'ሎ።

ግብረ ሓይሊ ትካል ስለያን ፌደራል ፖሊስን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቶም ተጠርጠርቲ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ክልል ኣምሓራ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ነቲ ክልል ንምቁጽጻርን ንፌደራል መንግስቲ ንምዕላውን ይሰርሑ ኔሮም ክብል ምፍላጡ ይዝከር

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG