ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ኢትዮጵያ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ቃል ተኸሳሲ ሰሚዑ


ሓደ ተኸሳሲ’ውን ኣብ ማእሰርቲ መግረፍቲ ተፈፂሙኒ ኢሎም

ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ክሲ መዝገብ በቀለ ገርባ ካብ መንጎ ዝኸሰሶም ትሽዓተ ሰባት ናይ ሻብዓይ ተኸሳሲ ቃል ሎሚ ተሰሚዑ።ካልኣይ ተኸሳሲ ኣቶ ኦልባና ሌሊሳ ኣብ ቤት ምእሰርቲ መግረፍቲ ከምዝበፅሖም ነቲ ቤት ፍርዲ ጥርዓን ኣቕሪቦም።

ኣብ ልዕሊ ታሽዓይ ተኸሳሲ ኣቶ ገልገሎ ጉፉ ዓቃቢ ሕጊ ናይታ ሃገር ናይ ፖለቲካን ናይ ግዝኣት ሓድነት ብትንካፍ ገበንን ኣብ መንበሪኦም ተሓቢኡ ተረኺቡ ዝተብሃለ መትረየስን ባዶ ሸንሽልን ናይ ተንኮል ተግባራት ብዓብዪ ደረጀ ንምፍፃም ብምውዳድ ገበንን ብክልተ ገበናት ኽሲሱዎም ኣሎ።

ዓቃቢ ሕጊ ቅድም ክብል ናይ ሰብን ሰነድን ምስክራት ኣቕሪቡ እዩ።እቲ ቤት ፍርዲ’ውን ተኸሰስቲ ንዓርሶም ንኽከላኸሉ ብዝወሰኖ መሰረት ታሽዓይ ተኸሳሲ ኣቶ ገልገሎ ሎሚ ንቤት ፍርዲ ኣብዝሃብዎ ቃል ናይ ኦነግ ኣባል ዝነበርሉ ከምቲ ዓቃቢ ሕጊ ዝበሎ ካብ 1993 ክሳብ 2003 ዓ/ም ከይኮነስ ካብ 1984 ክሳብ 2002 ዓ/ም ከምዝነበር እዩ።

ኣብ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ’ውን ብናይ ጉጅለ መሪሕነት ጥራሕ ከይኮነስ ካብኡ ልዕል ኣብዝበለ ደረጃ ሓላፍነት’ውን ሰሪሖም ከምዝነበሩ ተዛሪቦም።

ኣብ 2002 ዓ/ም ኣብ ወርሒ ጥሪ ምስ ካልኦት ናይ ኦነግ ኣባላት ብምዃን ንመንግስቲ ኢዶም ክህቡ እንተለው ንናይ ኦነግ ዕላማ ብምኹናን ከምዝኾነ ነቲ ቤት ፍርዲ ኣረዲኦም።

ካብ 350 ዘይውሕዱ ተዋጋእቲ ኦነግ ኢዶም ክህቡ እንተለው ኣብቲ እዋን ናይ ክልል ኦሮሚያ ኣማሓዳሪ ዝነበሩ ኣቶ ኣባዱላ ገመዳን ካልኦት ጀነራላትን ምርኣዮም’ውን ኣዘኻኺሮም።

ካብ ኦነግ ወፂኦም ኢዶም ድሕሪ ምሃቦም ነቲ ውድብ ንምድኻም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን ኣብዝተወሰዱ ስጉምትታት ምስታፎም ብምዝኽኻር ኣብቲ ኽሲ ከምዝተሓበረ ንኦነግ ዝድግፍ ስራሕ ክሰርሑ ከምዘይኽእሉ ኣረዲኦም።

ዘቕረብዎም ሰለስተ መሰኻኽር እውን ተኸላኻሊ ጠበቓ የረድኡለይ ኢሉ ኣብዝሓሰቦ ጭብጢ መስኪሮም።ኣብቲ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ካሊእ ተኸሳሲ ኣቶ ኦልባና ለሊሳ ድማ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ልዕለይ ይፍፀም ኣሎ ዝበልዎ በደል ነቲ ቤት ፍርዲ ጠሪዖም።

ዝተኣሰርሉ ኽፍሊ ብዝለዓለ ገበን ተኸሲሶም ዝተፈረዶም ሰባት ከምዝርከቡን ካብዞም ዝተፈረዶም እሱራት ይበፅሐኒ ኣሎ ዝበልዎ ምፍርራሕን ነቲ ቤት ፍርዲ ዘርዚሮም።ሓደ እሱር እውን ደቂሶም ኣብ ዝነበርሉ እዋን ከምዝቐጥቀጦም ጠሪዖም ኣለው።ቤት ፍርዲ’ውን ኣቶ ኦልባና ለሊሳ ጥርዓኖም ብምምሕዳር እቲ ቤት ማእሰቲ ኣቢሎም ብፅሑፍ ንከቕርቡን ምምሕዳር እቲ ቤት ማእሰርቲ’ውን ብፅሑፍ ን12 ሰነ 2004 ዓ/ም ንከቐርብን ትእዛዝ ሂቡ።

XS
SM
MD
LG